ዘዳግም 1
1
ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ክለዓሉ ኸም ዝተኣዘዙ
1ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። 2ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።
3ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ሙሴ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ተዛረበ። 4#ዘሑ. 21፡21-35። እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ።
5ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዝ ሕጊ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ኽገልፆ ጀመረ፦ 6“እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኣብ ኮሬብ ‘ኣብዝ እምባዙይ ዝተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፤ 7ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ። 8እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና።
ሙሴ ኣሕሉቕ ከም ዝሸመሎም
(ዘፀ. 18፡13-27)
9በቲ ዘመን እቱይ ከምዙይ ኢለ ተዛረብኩኹም፦ “ኣነ በይነይ ክፆረኩም ኣይክእልን እየ። 10ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክሳዕ እትኾኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም ኣሎ። 11ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈወኩም፥ ሽሕ ጊዜ የብዝሕኹምን ይባርኽኩምን። 12እቲ ድኻምኩምን ጐይቊኹምን እዝ ከቢድ ሸኽሚ ከመይ ገይረ በይነይ ክፆሮ? 13ካባኻትኩም ለባማትን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ምረፁ እሞ ኣሕሉቕኩም ክገብሮም እየ።”
14“ንስኻትኩም ድማ ‘እቲ ኽንገብሮ ዝነገርካና ነገር ፅቡቕ እዩ’ ኢልኩም መለስኩምለይ።
15“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም። 16በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፤ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን፥ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓናውን ብቕንዕና ፍረዱ። 17ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም። 18በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኵሉ ኽትገብርዎ ዘለኩም ኣዘዝኩኹም።”
ሰለልቲ ኸም ዝተልኣኹ
(ዘሑ. 13፡1-33)
19“ካብ ኮሬብ ተልዒልና ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፥ በቲ ዝረአኹምዎ ዓቢይን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ናብ ደጕዓ ኣሞራውያን ከድና፤ ናብ ቃዴስ በርኔ ኸዓ መፃእና። 20ኣነ ድማ ‘ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ደጕዓ ኣሞራውያን መፂእኹም ኣለኹም። 21እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ሃበኩም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም ድማ ደይብኩም ውረስዋ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትሸበሩ’ በልኩኹም።
22“ንስኻትኩም ከዓ፥ ኵልኻትኩም ናባይ መፂእኹም፥ ‘በየናይ መንገዲ ኸም እንድይብ፥ ናበየንአን ከተማታትውን ከም እንኣቱ ተመሊሶም ክነግሩና ነታ ሃገር ዝስልሉልና ቕድሜና ሰባት ንስደድ’ በልኩምኒ። 23እቲ ነገር ባህ ኣበለኒ፤ ስለዙይ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ካባኻትኩም ወሰድኩ። 24ከይዶም ድማ ናብ ደጕዓ ደየቡ፤ ናብ ለሰ ኤሽኮል በፂሖምውን ሰለይዋ። 25ካብ ፍረ እታ ምድሪ እውን ብኢዶም ወሰዱ፤ ናባና ኸዓ ኣምፅእዎ። ‘እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ፅብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ መልሲ ነገሩና።
26“ንስኻትኩም ግና ኽትድይቡ ኣይፈተኹምን፤ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ዓመፅኩም። #ዘዳ. 9፡23፥ ዕብ. 3፡16። 27ኣብ ውሽጢ ድንኳናትኩም ኴንኩም ድማ ኸምዙይ እናበልኩም ኣጕረምረምኩም፤ ‘እግዚኣብሄር ስለ ዝፀልአና፥ ምእንቲ ኸጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅአና። 28ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።
29“ኣነውን ‘ብኣኣቶም ኣይትደንግፁን ኣይትፍርሑን በልኩኹም። 30እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ። 31ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም። #ግ.ሓ. 13፡18።
32“ምስ እዝ ዅሉ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን። #ዕብ. 3፡19። 33ንሱ እትሰፍሩሉ ቦታ ኽደልየልኩም፥ እትኸድዎ መንገዲ ድማ ኸርእየኩም፥ ለይቲ ብሓዊ፥ መዓልቲ ኸዓ ብደመና ቐቅድሜኹም ከይዱ እዩ።
34“እግዚኣብሄር ነቲ ድምፂ ቓላትኩም ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ #ዕብ. 3፡18። 35‘ካባኻትኩም፥ ካብዝ ክፉእ ትውልዲ፥ ነታ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ፍርያም ምድሪ ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ። 36ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ።
37“ነኣይውን ብሰንክኹም እግዚኣብሄር ተቘጥዐኒ፤ ‘ንስኻ እውን ኣይትኣትዋን ኢኻ። 38እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ። 39እቶም ክማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም፥ እቶም ሎሚ ፅቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፥ ንሳቶም ክኣትዉዋ እዮም፤ ነታ ምድሪ ንኣኣቶም ክህቦም እየ፤ ክወርስዋ ኸዓ እዮም። 40ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፤ ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ ምድረ በዳ ኣቢልኩም ኪዱ’ በለኒ።
41“ሽዑ ‘ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና፤ እምበኣር ክንድይብ እሞ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ኽንዋጋእ ኢና’ ኢልኩም መለስኩምለይ፤ ነፍሲ ወከፍኩምውን ኣፅዋርኩም ዓጢቕኩም ናብ ደጕዓ ኽትድይቡ ተዳሎኹም።
42“እግዚኣብሄር ድማ ‘ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ፥ ናብ ደጕዓ ኣይትደይቡ፤ ኣይትዋግኡውን፥ በሎም’ በለኒ።
43“ኣነ ድማ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፤ ብድፍረትኩም ናብቲ ደጕዓ ደየብኩም እምበር ኣይሰማዕኹምንን። 44እቶም ኣብቲ ደጕዓ ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወፂኦም ተዋግኡኹም፤ ከምቲ ንህቢ እተሳጕጎ ድማ ኣሳጐጕኹም፤ ካብ ሴይር ጀሚሮም ክሳዕ ሔርማ ወቕዑኹም። 45ተመሊስኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኸኹም፤ እግዚኣብሄር ግና ድምፅኹም ኣይሰምዐን፤ ናባኻትኩምውን ኣይጠመተን። 46ስለዙይ ከም መጠን እቲ ዝተቐመጥኩምሉ ዘመን፥ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።
Currently Selected:
ዘዳግም 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: