YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 9

9
ትምክሕቲ ኸም ዘይግባእ
1“ኦ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም፤ ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን፥ ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሕ ዕርድታት ዘለወን ዓበይቲ ኸተማታት ንዘለዋኦም ኣህዛብውን ክትወርስዎም ኢኹም። 2እቶም ህዝቢ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ዓበይትን ነዋሕትን ምዃኖም ንስኻትኩም ትፈልጥዎም ኢኹም፤ ብዛዕባኣቶም ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዔናቅ መን ደው ክብል ይኽእል’ እንትብሃል ሰሚዕኹም ኣለኹም። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም።
4“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም ድማ፥ ብልብኹም ‘ፃድቃን ብምዃንና እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽንወርሳ ኣእተወና’ ኣይትበሉ። እግዚኣብሄር ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ ኽፉኣት ብምዃኖም እዩ። 5ብፅድቅኹምን ብቕንዕና ልብኹምን ኣይኮንኩምን ንምድሮም እትኣትዉዋን እትወርስዋን ዘለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ፥ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣት እዩ፤ ከምኡውን እቲ ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ዝመሓለሎም ነገር ምእንቲ ኽፍፅም እዩ። 6ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ ኢኹም፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዛ ልምዕቲ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይሩ ዝሃበኩም ብፅድቅኹም ከም ዘይኮነ ፍለጡ።
ብወርቂ ዝተሰርሐ ምራኽ
7“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ። 8ኣብ ኮሬብ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቝጣዕ ገበርኩምዎ፤ ተቘጢዑ ኸዓ ኸጥፍአኩም ደለየ። 9እተን ናይ እምኒ ፅላታት፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝተመሓሓለለን ናይ ቃል ኪዳን ፅላታት ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። ኣብኡ ብዘይ እንጀራን ማይን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ። #ዘፀ. 24፡18። 10እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብኢዱ ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃበኒ፤ እቲ ኣብቲ እምባ ተኣኪብኩም እንተለኹም ካብ ማእኸል ሓዊ ምሳኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ቓል ከዓ ኣብኣተን ተፅሒፉ ነበረ።
11“ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን፥ እግዚኣብሄር እተን ክልተ ናይ ኪዳን ፅላት እምኒ ሃበኒ። 12እግዚኣብሄር ድማ ‘ተስእ፥ ቀልጢፍካ ውረድ። እቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ ረኺሶም እዮም፤ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፤ መኺኹ ብፍሲ ዝተሰርሐ ምስሊ ጣዖት ንርእሶም ገይሮም ኣለዉ’ በለኒ።
13“መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር፥ ‘እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ተረርቲ ኽሳድ ምዃኖም ሪአዮም ኣለኹ። 14ከጥፍኦም፥ ስሞም እውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፤ ንኣኻ ድማ ኻብኣቶም ንዝሕይልን ንዝበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ’ በለኒ።
15“ካብቲ እምባ ተመሊሰ ወረድኩ፤ እቲ እምባ ድማ ብሓዊ ይቃፀል ነበረ፤ እተን ክልተ ፅላት ኪዳን ከዓ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ። 16ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፤ ካብ ወርቂ ዝፈሰሰ ምስሊ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሰራሕኹም፤ ስለዙይ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም መንገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም። 17ነተን ክልተ ፅላት ከዓ ኻብ ክልቲአን ኢደይ ደርብየ ኣብ ቅድሜኹም ሰበርክወን።
18“ከም ብሓድሽ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ስለ ዘቘጣዕኹምዎ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እንጀራ ኣይበላዕኹን፥ ማይውን ኣይሰተኹን። 19በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ተቘጢዕዎ ዝነበረ ቝጥዓ ኸየጥፍአኩም ፈራሕኹ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ እውን እግዚኣብሄር ሰምዐኒ። #ዕብ. 12፡21። 20ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዖ፤ ከጥፍኦ እውን ደለየ። ኣነ ግና በታ ጊዜ እቲኣ ምእንቲ ኣሮን ፀለኹ። 21ነቲ ዝሰራሕኹምዎ ግብሪ ሓጢኣትኩም ዝኾነ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣቃፀልክዎ። ሽዑ ቐጥቂጠ ኸም በነንታ ኽሳዕ ዝኸውን ጠሓንክዎ፤ ነቲ በነንታውን ናብቲ ኻብ እምባ ዝወርድ ሩባ በተንክዎ።
22“ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ። #ዘሑ. 11፡13፥34፥ ዘፀ. 17፡7።
23“ከምኡውን እግዚኣብሄር ‘ደይቡ እሞ ነታ ዝሃብኩኹም ምድሪ ውረስዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኩም፥ ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓመፅኩም። ንእግዚኣብሄር ኣይኣመንኩምዎን፤ ቃሉውን ኣይሰማዕኹምን። #ዘሑ. 13፡17፥ ዘዳ. 1፡21፥26፥ ዕብ. 3፡16። 24ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።
25“እግዚኣብሄርውን፥ ‘ከጥፍኦም እየ’ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። 26ንእግዚኣብሄር ድማ ‘ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ፥ ብሓያል ኢድካ እውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍኣዮ።’ 27ንኣገልገልትኻ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዘክር። ናይ እዝ ህዝቢ እዙይ ህልኽን ክፍኣትን ሓጢኣትን ኣይትመልከት። 28እንተ ዘይኮኑ፥ ግብፃውያን፥ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ሃገር ከእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝፀልኦምን ምእንቲ ኣብ ምድረ በዳ ኽቐትሎም ኣውፅኦም’ ክብሉ እዮም። 29እዚኣቶምስ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልፅምካን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም” በልኩ።

Currently Selected:

ዘዳግም 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in