ዘዳግም 8
8
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይትረስዕዎ
  1“ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ብማሕላ ዘተስፈዎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ። 3ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠኩም፥ ንሱ ኣጨነቐኩም፤ ኣጥመየኩምውን፤ ንስኻትኩም ዘይፈለጥኩምዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም። #ማቴ. 4፡4፥ ሉቃ. 4፡4።   4በዘን ኣርብዓ ዓመታት ክዳንኩም ኣይበለየን፤ እግርኹም እውን ኣይሓበጠን። 5ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ።
  6“እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥ 8እታ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፥ ዘይቲ ኣውሊዕን መዓርን፥ 9እንጀራ ናብ እትበልዑላ፥ ዝኾነ ናብ ዘይትስእኑላ ምድሪ፥ ኣእማና ሓፂን፥ ጎቦታታ ዅዒትኩምውን ነሃስ ናብ እተውፅኡላ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ።
  10“ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም። 11ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ። 12እንተ ዘይተጠንቂቕኩም ግና በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ፅቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕኹም ምስ ተቐመጥኩምወን፥ 13ከፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ምስ ሰሰና፥ ብሩርኩምን ወርቅኹምን ከዓ ምስ በዝሐልኩም፥ ዘለኩም ኵሉ ድማ ምስ በርከተ፥ 14ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ። 15በቲ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣፃምእ፥ ገፊሕን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፤ ካብ ፅኑዕ ኰዅሒ ድማ ማይ ኣፍለቐልኩም። 16ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን። #ሆሴዕ 13፡5-6።   17ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ። 18ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
  19“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ረሲዕኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ተኸቲልኩምን እንተ ኣምሊኽኩምዎምን፥ እንተ ሰጊድኩምሎምን ብርግፅ ከም እትጠፍኡ፥ ሎሚ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ። 20ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኹም፥ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ኣህዛብ፥ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።
      Currently Selected:
ዘዳግም 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in