1
ዘዳግም 8:18
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
Compare
Explore ዘዳግም 8:18
2
ዘዳግም 8:3
ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠኩም፥ ንሱ ኣጨነቐኩም፤ ኣጥመየኩምውን፤ ንስኻትኩም ዘይፈለጥኩምዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም።
Explore ዘዳግም 8:3
3
ዘዳግም 8:2
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።
Explore ዘዳግም 8:2
4
ዘዳግም 8:17
ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ።
Explore ዘዳግም 8:17
5
ዘዳግም 8:11
ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
Explore ዘዳግም 8:11
6
ዘዳግም 8:5
ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ።
Explore ዘዳግም 8:5
7
ዘዳግም 8:10
“ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም።
Explore ዘዳግም 8:10
8
ዘዳግም 8:6
“እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ።
Explore ዘዳግም 8:6
9
ዘዳግም 8:16
ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን።
Explore ዘዳግም 8:16
10
ዘዳግም 8:12-14
እንተ ዘይተጠንቂቕኩም ግና በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ፅቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕኹም ምስ ተቐመጥኩምወን፥ ከፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ምስ ሰሰና፥ ብሩርኩምን ወርቅኹምን ከዓ ምስ በዝሐልኩም፥ ዘለኩም ኵሉ ድማ ምስ በርከተ፥ ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
Explore ዘዳግም 8:12-14
11
ዘዳግም 8:7-9
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥ እታ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፥ ዘይቲ ኣውሊዕን መዓርን፥ እንጀራ ናብ እትበልዑላ፥ ዝኾነ ናብ ዘይትስእኑላ ምድሪ፥ ኣእማና ሓፂን፥ ጎቦታታ ዅዒትኩምውን ነሃስ ናብ እተውፅኡላ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ።
Explore ዘዳግም 8:7-9
12
ዘዳግም 8:1
“ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ብማሕላ ዘተስፈዎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ሓልዉ።
Explore ዘዳግም 8:1
13
ዘዳግም 8:4
በዘን ኣርብዓ ዓመታት ክዳንኩም ኣይበለየን፤ እግርኹም እውን ኣይሓበጠን።
Explore ዘዳግም 8:4
14
ዘዳግም 8:15
በቲ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣፃምእ፥ ገፊሕን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፤ ካብ ፅኑዕ ኰዅሒ ድማ ማይ ኣፍለቐልኩም።
Explore ዘዳግም 8:15
Home
Bible
Plans
Videos