ዘዳግም 5
5
ዓሰርተ ትእዛዛት
(ዘፀ. 20፡1-17)
1ሙሴ ድማ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ ኦ ህዝቢ እስራኤል! እዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተምሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ኮሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ። 3እግዚኣብሄር እዝ ኺዳን እዙይ፥ ምሳና ሎሚ ብህይወት ምስ ዘለናውን እምበር ምስ ኣቦታትና ጥራሕ ኣይኣተዎን። 4እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ገፅ ንገፅ ተዛረበኩም። 5ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኻትኩምን ቆምኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በለ፦
6ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
7ብዘይ ኣነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
8ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር። #ዘሌ. 26፡1፥ ዘዳ. 4፡15-18፥ 27፡15። 9ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ቀናእ ኣምላኽ እየ። 10ንዝፈትዉኒ፥ ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉ ኸዓ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ። #ዘፀ. 34፡6-7፥ ዘሑ. 14፡18፥ ዘዳ. 7፡9-10።
11እግዚኣብሄር፥ ንስሙ ብኸንቱ ዘልዕል ካብ ሓጢኣት ኣየንፅሆን እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። #ዘሌ. 19፡12።
12ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፥ ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ። #ዘፀ. 16፡23-30፥ 16፡23-30፥ 31፡12-14። 13ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ እውን ግበር። 14እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካንውን ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉስ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ብዕራይካን ኣድግኻን ኵሉ እንስሳኻን ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ዘሎ ጓናን ከቶ ኣይትስርሑ። #ዘፀ. 23፡12፥ 31፡15፥ 34፡21፥ 35፡2፥ ዘሌ. 23፡3። 15ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ብፅንዕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን ካብኣ ኸም ዘውፅአካ ዘክር፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ኣዘዘካ።
16ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ሰናይውን ክኾነልካን፥ ከምቲ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። #ዘዳ. 27፡16፥ ማቴ. 15፡4፥ 19፡19፥ ማር. 7፡10፥ 10፡19፥ ሉቃ. 18፡20፥ ኤፌ. 6፡2-3።
17ኣይትቕተል። #ዘፍ. 9፡6፥ ዘሌ. 24፡17፥ ማቴ. 5፡21፥ 19፡18፥ ማር. 10፡19፥ ሉቃ. 18፡20፥ ሮሜ 13፡9፥ ያቆ. 2፡11።
18ኣይትዘሙ። #ዘፍ. 9፡6፥ ዘሌ. 20፡10፥ ማቴ. 5፡27፥ 19፡18፥ ማር. 10፡19፥ ሉቃ. 18፡20፥ ሮሜ 13፡9፥ ያቆ. 2፡11።
19ኣይትስረቕ። #ዘሌ. 19፡11፥ ማቴ. 19፡18፥ ማር. 10፡19፥ ሉቃ. 18፡20፥ ሮሜ 13፡9፥ ያቆ. 2፡11።
20ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር። #ዘፀ. 23፡1፥ ማቴ. 19፡18፥ ማር. 10፡19፥ ሉቃ. 18፡20፥ ሮሜ 13፡9፥ ያቆ. 2፡11።
21ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ቤት ብፃይካ፥ ግራቱ ወይ ኣገልጋሊኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ። #ሮሜ 7፡7፥ 13፡9።
22እዘን ትእዛዛት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ፥ ኣብ ማእኸል ሓዊን ደመናን ፀልማትን፥ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንዅላ ማሕበርኩም ዝተዛረበን እየን፤ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ።
23ኵሉ እቲ እምባ ብሓዊ ኽነድድ እንተሎ፥ ካብቲ ውሽጢ ፀልማት ድምፂ ምስ ሰማዕኹም፥ ንስኻትኩምን፥ ኣሕሉቕ ነገዳትኩምን ሽማግለታትኩምን ናባይ ቀረብኩም። 24ንስኻትኩም ከዓ ንኣይ “እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየና፤ ድምፁውን ካብ ማእኸል ሓዊ ሰማዕና፤ ኣምላኽ ምስ ሰብ ክዛረብ እሞ፥ ሰብ ምስ ኣምላኽ ተዛሪቡስ ብህይወት እንትነብር፥ ሎሚ ርኢና፥ 25ሕዚኸ ስለ ምንታይ እንመውት? እዝ ዓብዪ ሓዊ ክበልዐና እዩሞ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፥ ክንመውት ኢና። 26ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ? 27ንስኻ ቕረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነገረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፤ ንሕና ኸዓ ሰሚዕና ኽንፍፅሞ ኢና” በልኩምኒ። #ዕብ. 12፡18-19።
28ክትዛረቡኒ እንተለኹም ድማ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረብኩምዎ ሰምዖ፤ እግዚኣብሄርውን ከምዙይ በለኒ፦ ነቲ እዞም ህዝቢ ዝተዛረቡኻ ቓል ሰሚዐዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝተዛረብዎ ሰናይ እዩ። 29ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!
30ኪድ፤ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፥ በሎም። 31ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል።
32እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይትበሉ። 33ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኺዱ።
Currently Selected:
ዘዳግም 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in