1
ዘዳግም 5:16
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ሰናይውን ክኾነልካን፥ ከምቲ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
Compare
Explore ዘዳግም 5:16
2
ዘዳግም 5:33
ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኺዱ።
Explore ዘዳግም 5:33
3
ዘዳግም 5:9-10
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ቀናእ ኣምላኽ እየ። ንዝፈትዉኒ፥ ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉ ኸዓ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።
Explore ዘዳግም 5:9-10
4
ዘዳግም 5:8
ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
Explore ዘዳግም 5:8
5
ዘዳግም 5:7
ብዘይ ኣነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
Explore ዘዳግም 5:7
6
ዘዳግም 5:11
እግዚኣብሄር፥ ንስሙ ብኸንቱ ዘልዕል ካብ ሓጢኣት ኣየንፅሆን እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
Explore ዘዳግም 5:11
7
ዘዳግም 5:29
ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!
Explore ዘዳግም 5:29
8
ዘዳግም 5:12
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፥ ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ።
Explore ዘዳግም 5:12
9
ዘዳግም 5:21
ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ቤት ብፃይካ፥ ግራቱ ወይ ኣገልጋሊኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።
Explore ዘዳግም 5:21
10
ዘዳግም 5:18
ኣይትዘሙ።
Explore ዘዳግም 5:18
11
ዘዳግም 5:20
ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
Explore ዘዳግም 5:20
12
ዘዳግም 5:17
ኣይትቕተል።
Explore ዘዳግም 5:17
13
ዘዳግም 5:19
ኣይትስረቕ።
Explore ዘዳግም 5:19
14
ዘዳግም 5:15
ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ብፅንዕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን ካብኣ ኸም ዘውፅአካ ዘክር፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ኣዘዘካ።
Explore ዘዳግም 5:15
15
ዘዳግም 5:13-14
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ እውን ግበር። እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካንውን ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉስ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ብዕራይካን ኣድግኻን ኵሉ እንስሳኻን ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ዘሎ ጓናን ከቶ ኣይትስርሑ።
Explore ዘዳግም 5:13-14
16
ዘዳግም 5:6
ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
Explore ዘዳግም 5:6
Home
Bible
Plans
Videos