YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 4

4
ሙሴ ተኣዘዝቲ ክኾኑ ኸም ዝመዓዶም
1“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ። 2ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ኣይትወስኹ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይትነክዩ። #ራእይ 22፡18-19።
3“እግዚኣብሄር ኣብ ብዔልፌጎር ዝገበሮ፥ በዒንትኹም ርኢኹም ኣለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሎም ንበዓል ፌጎር ዝተኸተሉ ሰባት ካብ ማእኸልኩም ኣጥፍኦም፤ #ዘሑ. 25፡1-9። 4ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዝተኸተልኩም፥ ኵልኻትኩም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ኣለኹም።
5“እንሆ፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር ምእንቲ ኽትፍፅምዎ፥ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕግጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም። 6እዚኣተን ከዓ ንኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን፤ ስለዙይ ሓልዉወንን ፈፅምወንን። ህዝብታት ንዅሉ እዝ ሕግጋት እዙይ ሰሚዖም ‘እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ብሓቂ ፈላጥን መስተውዓልን ህዝቢ እዩ’ ኽብሉ እዮም። 7ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዅልሻዕ እንትንፅውዖ ዝቐርበና፥ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ? 8ከምዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዘንብራ ዘለኹ ኵላ ሕጊ ዝበለ ቕኑዕ ሕግጋትን ፍርድታትን ዘለዎ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?
9“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም። 10በታ ኣብ ኮሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቖምኩምላ መዓልቲ፥ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ንኣይ ምፍራሕ ምእንቲ ኽመሃሩን ንደቆም ድማ ምእንቲ ኽምህርዎምን፥ ቃለይ ክሰምዑ ናባይ ኣክቦም’ ኢሉ እግዚኣብሄር ተዛረበኒ። 11ንስኻትኩም ድማ ቐረብኩም፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ደው በልኩም። እቲ እምባ እውን ክሳዕ ማእኸል ሰማይ ይነድድ ነበረ፤ ፀልማትን ደመናን ጣቓን ድማ ነበረ። 12እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፤ ድምፂ ዘረባኡ ሰማዕኹም፤ ድምፂ ጥራሕ ሰማዕኹም እምበር፥ መልክዕስ ከቶ ኣይረአኹምን። #ዘፀ. 19፡16-18፥ ዕብ. 12፡18-19። 13እቲ ኽትፍፅምዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ገለፀልኩም። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ኸዓ ፀሓፎ። #ዘፀ. 31፡18፥ 34፡28፥ ዘዳ. 9፡10። 14እግዚኣብሄር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትፍፅምዎ ሕግጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ሽዑ ኣዘዘኒ። #ዘፀ. 21፡1። 15በታ እግዚኣብሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ሓደ መልክዕ እኳ ኣይረአኩምን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ነፍስኻትኩም ሓልዉ። 16ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምስራሕ ከይትረኽሱ ተጠንቀቑ። #ዘፀ. 20፡4፥ ዘሌ. 26፡1፥ ዘዳ. 5፡8፥ 27፡15። 17ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ እንስሳ፥ ወይ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነፍራ ኣዕዋፍ ምስሊ፥ 18ወይ ናይቶም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉ ምስሊ፥ ወይ ናይቶም ኣብ ማይ ዘለዉ ዓሳታት ምስሊ ብምግባር ከይተምልኽዎም ተጠንቀቑ። #ሮሜ 1፡23። 19ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። 20ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ ዄንኩምዎ ዘለኹም፥ ርስቱ ዝኾነ ህዝቢ ምእንቲ ኽትኮንዎ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓፂን፥ ካብ ግብፂ ኣውፂኡኩም እዩ። #ዘፀ. 19፡5፥ ዘዳ. 7፡6፥ 14፡2፥ 26፡18፥ ቲቶ 2፡4፥ 1 ጴጥ. 2፡9።
21“እግዚኣብሄር ድማ ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ ከይሳገር፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኸይኣቱ መሓለ። #ዘሑ. 20፡12። 22ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፤ ንስኻትኩም ግና ኽትሳገሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ድማ ኽትወርስዋ ኢኹም። 23እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ። 24እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባላዕ ሓዊ ዝኾነ፥ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ። #ዕብ. 12፡29።
25“ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድኩም፥ ኣብታ ምድሪ ኸዓ ነዊሕ ዘመን ምስ ተቐመጥኩም፥ ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ንባዕልኹም እንተርከስኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፉእ ብምግባር እውን እንተ ኣቘጢዕኹምዎ፥ 26ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም። 27እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም። 28ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም። #ዘዳ. 28፡36። 29ኣብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ደሊኹምዎ ኽትረኽብዎ ኢኹም። #ኤር. 29፡13። 30ምስ ፀበበኩምን፥ እዝ ዅሉ ምስ በፅሐኩምን ግና፥ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትምለሱ ኢኹም፤ ቃሉ ኸዓ ኽትሰምዑ ኢኹም። 31እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ኣየሓድገኩምን ኣየጥፍአኩምንውን። ነቲ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ፥ ብማሕላ ዘፅንዖ ኺዳን ከዓ ኣይርስዕን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ
32“ካብታ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ነቲ ቕድሜኹም ዝነበረ፥ ናይ ቀደም ዘመን እስኪ ጠይቑ። ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ነገርዶ ኾይኑ ይፈልጥ? ወይ ነዙይ ዝመስልከ ተሰሚዑዶ ይፈልጥ? 33ከምቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣምላኽ ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ቃሉ ዝሰምዐ፥ ብህይወት ከዓ ዝነብር ህዝቢዶ ኣሎ? 34ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
35“እዝ ዅሉ ንኣኻትኩም ዘርአየኩም ግና፥ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ብዘይ ንሱውን ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ። #ማር. 12፡32። 36ምእንቲ ኽምህረኩም፥ ካብ ሰማይ ድምፁ ኣስምዐኩም፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ዓብዪ ሓዊ ኣርአየኩም፤ ቃሉ ድማ ኻብ ማእኸል ሓዊ ኣስምዐኩም። 37ነቦታትኩም ስለ ዝፈተዎም ድማ ብድሕሪኦም ንኣኻትኩም ሓረየኩም፤ ባዕሉ ኸዓ ብዓብዪ ሓይሉ ኻብ ግብፂ ኣውፅአኩም። 38ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኽህበኩም፥ ናብኣ ምእንቲ ኸእትወኩም፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጐጐ።
39“እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ ታሕቲ ኸዓ ኣብ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለውን፥ ሎሚ ፍለጡ፤ ኣብ ልብኹም ድማ ዕቘርዎ። 40ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ሰናይ ምእንቲ ክኾነልኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዋእልኩም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ናይ ኣምላኽ ሕግጋትን ትእዛዛትን ሓልውዎ።”
ቀታሊ ሰብ ዝዕቈበለን ከተማታት
41ሽዑ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ። 42እዚኣተን፥ ቅድም ፅልኢ ዘይነበሮ፥ ብዘይ ምፍላጥ ብፃዩ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን እየን። ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ሃዲሙ ብህይወት ክነብር ይኽእል እዩ። 43እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ። #ኢያሱ 20፡8-9።
ሕጊ ኸም ዝሃቦም
44ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዙይ እዩ። 45ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ። 46ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ። 47ምድሩን ምድሪ ዓግ ንጉስ ባሳንን ሓዙ። ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ እዮም። 48እዝ ምድሪ እዙይ ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር ክሳዕ እምባ ሲዮን፥ ክሳዕ ኣርሞንኤም፥ ይበፅሕ ነበረ። 49ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፥ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዘሎ ጐልጐል ባሕሪ ድማ ሓዙ።

Currently Selected:

ዘዳግም 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in