ዘዳግም 3
3
እስራኤላውያን ንንጉስ ዓግ ከም ዝሰዓርዎ
(ዘሑ. 21፡31-35)
1“ተመሊስና ድማ ብመንገዲ ባሳን ደየብና። ዓግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኽዋግአና ወፀ። 2እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ እሞ፥ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ኣብ ሓሴቦን ንዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ኽትገብሮ ኢኻ’ በለኒ።
3“ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዓግ ንጉስ ባሳንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፤ ሓደ እኳ እንተየትረፍና ወዳእናዮም። 4በታ ጊዜ እቲኣ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ እትብሃል ግዝኣት ዓግ ምስ ኵለን ከተማታታ ሓዝናያ፤ ካብተን ስሳ ኸተማታቱ ዘይሓዝናያ ቦታ ኣይነበረትን። 5ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ብነዊሕ መካበብያ ዝተዓረዳ፤ ብመዓፁን መሸጐርን ዝፀንዓ ነበራ። ዘይተዓረዳ ኸተማታት እውን ብዙሓት ነበራ። 6ከምቲ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገበርናዮ ድማ ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። ንዅለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። 7ንዅለን ከፍቶም ዘመትናየን፤ ንኸተማታቶምውን ወረርናየን።
8“ነታ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንዔም፥ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ። 9(ሲዶናውያን ንእምባ ኣርሞንዔም ሲርዮን ይብልዎ፤ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ።) 10ኵሉ እቲ ንጉስ ዓግ ዝገዝኦ ናይ ባሳን ምድሪ ሓዝናዮ፤ ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታትን ናይ ገለዓድን ናይ ባሳንን ክፍለ ሃገር ክሳዕ ከተማታት ሰልካናን ኤድራይን ሓዝናየን። 11ካብቶም ዝተረፉ ረፋውያን ዓግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ፥ ንውሓቱ ኣርባዕተ ሜትር፥ ስፍሓቱ ኣስታት ክልተ ሜትር ዝኾነ ዓራት ሓፂን ነበረ። ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን ኣሎ።
ነታ ምድሪ ኸም ዝተማቐልዋ
(ዘሑ. 32፡1-42)
12“ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ወረስናያ፥ ነቲ ብሰሜን ከተማ ኣሮዔር፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኣርኖን ዘሎን፥ ፍርቂ ደጕዓ ገለዓድ ምስ ናይ ከተማታታን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብኩዎም። 13ነቲ ዝተረፈ ምድሪ ገለዓድን ኵላ መንግስቲ ዓግን ድማ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ሃብክዎም። (እታ ኣብ ባሳን ዘላ ሃገር ኣርጎብ ብምልእታ ሃገር ረፋውያን ትብሃል።) 14ያኢር ወዲ ምናሴ፥ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ንባሳን ሓዛ። ብስሙ ድማ ሰፈራት ያዒር ተብሂላ ኽሳዕ ሎሚ ትፅዋዕ ኣላ። 15ንማኪር ድማ ንገለዓድ ሃብክዎ። 16ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ኻብ ገለዓድ ክሳዕ ፈለግ ኣርኖን ሃብክዎም። እቲ ወሰን ኣብ ማእኸል እቲ ሩባ ነበረ፤ ክሳዕ እቲ ምስ ኣሞራውያን ዘዋስን ፈለግ ያቦቅ ይበፅሕ ነበረ። 17ብምዕራብ ከዓ ምስ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ #3፡17 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ይበፅሕ ነበረ።
18“በታ ጊዜ እቲኣ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሂቡኩም እዩ፤ ሰብ ሓይሊ ዝኾንኩም ኣፅዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። 19ግና ብዙሓት ከፍቲ ኸም ዘለዋኹም እፈልጥ እየሞ፥ ኣንስትኹምን ደቅኹምን ከፍትኹምን ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ። 20እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ከማኻትኩም ክሳዕ ዘዕርፎም፥ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርስዋ፥ ፅንሑ። ድሕሪቱይ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ’ ኢለ ኣዘዝኩኹም። #ኢያሱ 1፡12-15።
ሙሴ ናብ ከነዓን ከይኣቱ ኸም ዝተኸልከለ
21“በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኢያሱ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ ኣዒንትኹም ሪአን ኣለዋ፤ ነተን ክትወርስወን ዘለኩም ኵለን መንግስታት ከዓ እግዚኣብሄር ከምኡ ኽገብር እዩ። 22እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም’ ኢለ ኣዘዝክዎ።
23“በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣነ ንእግዚኣብሄር 24‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንባርያኻ ዕቤትካን ሓይልኻን ኽተርእየኒ ጀመርካ። ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ክገብር ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለንሞ። 25ነዛ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ፍርያም ምድሪ፥ ነቲ ፅቡቕ ደጕዓን ንሊባኖስን፥ ክርኢ በይዛኻ ኣሕልፈኒ?’ ኢለ ለመንክዎ። 26እግዚኣብሄር ግና ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበየኒ። ኣስዒቡ ድማ ‘ይኣኽለካ፤ በዝ ነገር እዙይ መሊስካ ኣይትዛረበኒ። 27ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፥ ናብ ርእሲ ፈስጋ ደይብ፤ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸዓ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ጠምት። #ዘሑ. 27፡12-14፥ ዘዳ. 32፡48-52። 28ኢያሱ ግና ቐቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ክሓልፍ፥ ንሱ ኸዓ ነዛ እትሪኣ ዘለኻ ምድሪ ኸውርሶም እዩ እሞ፥ ንእኡ ኣዝዞን ኣፀናንዓዮን ኣተባብዓዮንውን’ በለኒ።
29“ኣብ ጥቓ ቤተፌጎር ኣብ ዘሎ ለሰ ድማ ተቐመጥና።
Currently Selected:
ዘዳግም 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in