ዘዳግም 32
32
መዝሙር ሙሴ
1“ክዛረብ እየ እሞ፥ ሰማያት ፅን በሉ፤
ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ።
2ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤
ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤
ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥
ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።
3ስም እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ እሞ፥
ንኣምላኽና ልዕልና ሃቡ።”
4“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤
ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤
ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤
ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
5ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ኮይኖም ኣይተረኽቡን፤
ረኺሶም እዮም እሞ ደጊም ደቁ ኣይኮኑን፤
ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም።
6ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥
ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ?
እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን?
ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”
7“ነተን ጥንታውያን መዓልቲታት ዘክር፤
ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልድታት፥ ኣስተብህል፤
ነቦኻ ጠይቆ፤ ንሱ ኸዓ ኽነግረካ እዩ፤
ዓበይትኻውን ክነግሩኻ እዮም።
8እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥
ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥
ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ። #ግ.ሓ. 17፡26።
9ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤
ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”
10“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥
ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤
ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።
11ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር
ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥
ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም።
12እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤
ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”
13“ናብ ልዕሊ በሪኽ ምድሪ ኣደየቦ፤
ፍረ ገራሁ ኣብልዖ፤
ካብ ኰዅሒ መዓር ኣፅገቦ፤
ካብ ተሪር ኰዅሒ ኸዓ ዘይቲ።
14ጠስሚ ላሕምን ፀባ በጊዕን ምስ ስቡሕ ማጕላን፥
ማጓሉ ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፥
ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።”
15“ያእቆብ #32፡15 ያእቆብ፦ ዕብራይስጢ “ይሽሩን” ይብል። ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤
ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤
ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤
ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
16ብባዕዳን ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፤
ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ።
17ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፥
ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፥
ኣቦታቶም ንዘይፈርሕዎም፥
ደሓር ንዝመፁ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ። #1 ቆሮ. 10፡20።
18ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤
ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”
19“ኣወዳቱን ኣጓላቱን ስለ ዘቘጥዕዎ፥
እግዚኣብሄር ከዓ ሪኡ ደርበዮም።
20በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥
እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥
ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤
መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’
21ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፤
ብኸንቱ ጣዖታቶምውን ኣቘጥዑኒ፤
ኣነ ኸዓ ህዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንኦም፥
ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ። #1 ቆሮ. 10፡22፥ ሮሜ 10፡19።
22ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥
ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤
ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤
መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”
23“ክፉእ ኣብ ልዕሊኣቶም ክእክብ እየ፤
ብፍላፃይውን ክወግኦም እየ።
24ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤
ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤
ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።
25ሰይፊ ኣብ ወፃኢ፥
ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሓት፥
ንጐበዝን ንጐርዞን፥
ንዝጠቡ ምስ ሽማግለ ኽውድኦም እየ።
26ፈፂመ ኽድምስሶም፥
መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።
27ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦
ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥
እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥
ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”
28“ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም፤
ምስትውዓል ከዓ የብሎምን።
29ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤
መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።
30ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥
እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ
ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም?
እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?
31ኣምላኽና ከም ኣማልኽቶም ኣይኮነን፤
ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም።
32ወይኖም ካብ ወይኒ ሰዶምን ካብ ግራት ገሞራን እዩ እሞ፥
ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፥
ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ፤
33ወይኖም ሕንዚ ገበል እዩ፤
እቲ ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።”
34እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን?
ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?
35ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤
እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤
መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤
ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ። #ሮሜ 12፡19፥ ዕብ. 10፡30።
36ሓይሎም ከም ዝደኸመ፥
እተዓፅወን እተሓደገን ከም ዘየሎ ምስ ረአየ፥
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ፤
ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ። #መዝ. 135፡14።
37ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኽጥይቖም እዩ፦ እቶም ኣማልኽትኹም ኣበይ ኣለዉ?
እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ?
38እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥
ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ?
ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤
መፀግዒውን ይኹኑኹም።
39ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥
ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤
ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤
ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤
ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።
40ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፥
ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ።
41ነቲ ዘንበልብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፥
ፍርዲ ኸውፅእ ኸዓ ምስ ሓዝክዎ፥
ንተፃረርተይ ክብቀሎም እየ፤
ንዝፀልኡኒውን ሕነ ኽፈድዮም እየ።
42ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን፥
ንፍላፃታተይ ብደም ከስክረን እየ፤
ሰይፈይ ድማ ኻብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ፀላኢ፥
ስጋ ኽቘራርፅ እዩ።
43“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥
ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥
ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥
ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።” #ሮሜ 15፡10፥ ራእይ 19፡2።
44ሙሴ ድማ፥ ምስ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፂኡ ዅሉ ቓል እዝ መዝሙር እዙይ ንህዝቢ ተዛረበ። 45ሙሴ ንዅሉ እዝ ነገር እዙይ፥ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ 46“ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ደቅኹም ተጠንቂቖም ንኽሕልውዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 47እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም።
48እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 49“ናብዝ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ እምባ ዓባሪም፥ ናብ እምባ ናባው፥ ደይብ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ረአያ። 50ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ እምባ ሆር ዝሞተ፥ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ እምባ ሙት። 51እዝ ኣብ ማይ ጐይቊ፥ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስለ ዘይተኣዘዝኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከዓ ስለ ዘይቀደስኩምኒ፥ 52ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትሪኣ ኢኻ እምበር ናብኣስ ኣይትኣቱን ኢኻ፤” በሎ። #ዘሑ. 27፡12-14፥ ዘዳ. 3፡23-27።
Currently Selected:
ዘዳግም 32: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዘዳግም 32
32
መዝሙር ሙሴ
1“ክዛረብ እየ እሞ፥ ሰማያት ፅን በሉ፤
ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ።
2ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤
ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤
ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥
ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።
3ስም እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ እሞ፥
ንኣምላኽና ልዕልና ሃቡ።”
4“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤
ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤
ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤
ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
5ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ኮይኖም ኣይተረኽቡን፤
ረኺሶም እዮም እሞ ደጊም ደቁ ኣይኮኑን፤
ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም።
6ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥
ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ?
እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን?
ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”
7“ነተን ጥንታውያን መዓልቲታት ዘክር፤
ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልድታት፥ ኣስተብህል፤
ነቦኻ ጠይቆ፤ ንሱ ኸዓ ኽነግረካ እዩ፤
ዓበይትኻውን ክነግሩኻ እዮም።
8እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥
ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥
ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ። #ግ.ሓ. 17፡26።
9ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤
ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”
10“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥
ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤
ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።
11ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር
ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥
ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም።
12እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤
ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”
13“ናብ ልዕሊ በሪኽ ምድሪ ኣደየቦ፤
ፍረ ገራሁ ኣብልዖ፤
ካብ ኰዅሒ መዓር ኣፅገቦ፤
ካብ ተሪር ኰዅሒ ኸዓ ዘይቲ።
14ጠስሚ ላሕምን ፀባ በጊዕን ምስ ስቡሕ ማጕላን፥
ማጓሉ ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፥
ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።”
15“ያእቆብ #32፡15 ያእቆብ፦ ዕብራይስጢ “ይሽሩን” ይብል። ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤
ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤
ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤
ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
16ብባዕዳን ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፤
ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ።
17ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፥
ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፥
ኣቦታቶም ንዘይፈርሕዎም፥
ደሓር ንዝመፁ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ። #1 ቆሮ. 10፡20።
18ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤
ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”
19“ኣወዳቱን ኣጓላቱን ስለ ዘቘጥዕዎ፥
እግዚኣብሄር ከዓ ሪኡ ደርበዮም።
20በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥
እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥
ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤
መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’
21ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፤
ብኸንቱ ጣዖታቶምውን ኣቘጥዑኒ፤
ኣነ ኸዓ ህዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንኦም፥
ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ። #1 ቆሮ. 10፡22፥ ሮሜ 10፡19።
22ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥
ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤
ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤
መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”
23“ክፉእ ኣብ ልዕሊኣቶም ክእክብ እየ፤
ብፍላፃይውን ክወግኦም እየ።
24ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤
ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤
ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።
25ሰይፊ ኣብ ወፃኢ፥
ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሓት፥
ንጐበዝን ንጐርዞን፥
ንዝጠቡ ምስ ሽማግለ ኽውድኦም እየ።
26ፈፂመ ኽድምስሶም፥
መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።
27ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦
ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥
እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥
ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”
28“ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም፤
ምስትውዓል ከዓ የብሎምን።
29ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤
መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።
30ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥
እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ
ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም?
እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?
31ኣምላኽና ከም ኣማልኽቶም ኣይኮነን፤
ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም።
32ወይኖም ካብ ወይኒ ሰዶምን ካብ ግራት ገሞራን እዩ እሞ፥
ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፥
ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ፤
33ወይኖም ሕንዚ ገበል እዩ፤
እቲ ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።”
34እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን?
ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?
35ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤
እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤
መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤
ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ። #ሮሜ 12፡19፥ ዕብ. 10፡30።
36ሓይሎም ከም ዝደኸመ፥
እተዓፅወን እተሓደገን ከም ዘየሎ ምስ ረአየ፥
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ፤
ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ። #መዝ. 135፡14።
37ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኽጥይቖም እዩ፦ እቶም ኣማልኽትኹም ኣበይ ኣለዉ?
እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ?
38እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥
ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ?
ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤
መፀግዒውን ይኹኑኹም።
39ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥
ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤
ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤
ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤
ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።
40ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፥
ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ።
41ነቲ ዘንበልብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፥
ፍርዲ ኸውፅእ ኸዓ ምስ ሓዝክዎ፥
ንተፃረርተይ ክብቀሎም እየ፤
ንዝፀልኡኒውን ሕነ ኽፈድዮም እየ።
42ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን፥
ንፍላፃታተይ ብደም ከስክረን እየ፤
ሰይፈይ ድማ ኻብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ፀላኢ፥
ስጋ ኽቘራርፅ እዩ።
43“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥
ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥
ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥
ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።” #ሮሜ 15፡10፥ ራእይ 19፡2።
44ሙሴ ድማ፥ ምስ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፂኡ ዅሉ ቓል እዝ መዝሙር እዙይ ንህዝቢ ተዛረበ። 45ሙሴ ንዅሉ እዝ ነገር እዙይ፥ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ 46“ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ደቅኹም ተጠንቂቖም ንኽሕልውዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 47እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም።
48እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 49“ናብዝ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ እምባ ዓባሪም፥ ናብ እምባ ናባው፥ ደይብ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ረአያ። 50ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ እምባ ሆር ዝሞተ፥ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ እምባ ሙት። 51እዝ ኣብ ማይ ጐይቊ፥ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስለ ዘይተኣዘዝኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከዓ ስለ ዘይቀደስኩምኒ፥ 52ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትሪኣ ኢኻ እምበር ናብኣስ ኣይትኣቱን ኢኻ፤” በሎ። #ዘሑ. 27፡12-14፥ ዘዳ. 3፡23-27።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in