ዘዳግም 31
31
ኢያሱ፥ መራሒ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝኾነ
1ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ 2#ዘሑ. 20፡12። “ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ ‘ነዝ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ። 4እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ንነገስታት ኣሞራውያን፥ ሴዎንን ኦግን፥ ምስ ምድሮም ዘጥፍኦም፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ኸምኡ ኽገብሮም እዩ። #ዘሑ. 21፡21-35። 5እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ከዓ ግበርዎም። 6እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ክኸይድ እዩ፤ ኣይጠልመኩምን፤ ኣይሓድገኩምንውን እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ ትብዑ፤ ኣይትፍርሑ፤ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ።”
7ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን። 8#ኢያሱ 1፡5፥ ዕብ. 13፡5። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ፤ ምሳኻ ክኸውን እዩ፤ ኣይጠልመካን እዩ፤ ኣይሓድገካንውን እዩ። ስለዙይ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ” በሎ።
ምንባብ ሕጊ
9ሙሴ ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም። 10ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም “ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት መወዳእታ፥ በታ ዕዳ ዝመሓረላ ዓመት፥ ብበዓል ዳስ፥ #ዘዳ. 15፡1፥ 16፡13-15። 11ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሰግዱ ምስ መፁ፥ ነዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ኣንብቦ። 12ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርሕዎ፥ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽሕልውዎ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትኩም ንዝነብሩ ባዕዳንን፥ ኣክብዎም። 13በዝ መንገዲ እዙይ እቶም ነዝ ሕጊ እዙይ ዘይፈልጡ ደቆም ክሰምዑን ክመሃሩን እዮም። ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ብዅሉ ዘመን ህይወቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክእዘዝዎ እዮም።”
14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።
15እግዚኣብሄር ከዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብዓምዲ ደመና ተርኣየ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ቆመ። 16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም። 18በቲ ዅሉ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስጋድ ዝገበርዎ ኽፉእ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገፀይ ፈፂመ ኽሓብእ እየ።
19“ሕዚ ኸዓ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፎ እሞ፥ ንደቂ እስራኤል መሃሮም፥ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ክኾነኒ ኸዓ ኸም ዝዝምርዎ ግበር። 20ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ በሊዖምውን ምስ ፀገቡን ምስ ሃጠሩን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኽምለሱን ከምልኽዎምን እዮም። ንኣይ ግና ኽንዕቑኒ ኺዳነይውን ከፍርሱ እዮም። 21ብዙሕ ጕድኣትን ጭንቕን ምስ ረኸቦም፥ እዝ መዝሙር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ክምስክረለይ እዩ፤ ካብ ኣፍ ደቆም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፥ ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ገና እንተየእተኹዎም እኳ፥ እቲ ሎሚ ዝሓስቡዎ ዘለዉ እፈልጥ እየ።” 22ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፈ፥ ንደቂ እስራኤል ከዓ መሃሮም።
23እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ። #ዘሑ. 27፡23፥ ኢያሱ 1፡6።
24ሙሴ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ምስ ወድአ፥ 25ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ 26“ነዝ መፅሓፍ እዙይ ወሲድኩም ኣብ ጥቓ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንምስክር ይኹንኩም። 27ኣነ ኽድዓትኩምን ትሪ ኽሳድኩምን እፈልጥ እየ እሞ፥ እንሆ፥ ሎሚ ገና ብህይወተይ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ከዳዕኹምዎስ፥ ድሕሪ ሞተይ እውን ዝገደደ ኽትገብሩ ኢኹም። 28ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም። 29ድሕሪ ሞተይ ብርግፅ ንባዕልኹም ከም እተርክሱ፥ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መንገዲ ድማ ኸም እተግልሱ፥ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ንኽተቘጥዕዎ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ እትገብሩውን፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ጕድኣት ክረኽበኩም እዩ።”
30ሙሴ ድማ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ቃል እዝ መፅሓፍ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ ነገሮም።
Currently Selected:
ዘዳግም 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: