ዘዳግም 33
33
ሙሴ ንነገዳት እስራኤል ከም ዝባረኾም
1እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
2“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤
ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤
ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤
ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤
ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።
3እወ፥ ንስኻ ንህዝብታት ተፍቅሮም፤
ኵሎም ቅዱሳንካ ኣብ ኢድካ እዮም፤
ኣብ እግርኻ ይሰግዱ፤
ትእዛዛትካ ድማ ይቕበሉ።
4ሙሴ ዝሃበና ሕጊ፥
ርስቲ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሕጊ ንሕሉ።
5ኣሕሉቕ ህዝብን
ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ምስ ተኣከቡ፥
ንሱ ኣብ እስራኤል ንጉስ ነበረ።”
6ሙሴ ንነገድ ሮቤል፦
“ሮቤል ይንበር፤ ኣይሙት፤
ሰቡውን ውሑዳት ኣይኹኑ” እናበለ መረቖም።
7ንነገድ ይሁዳ፦
“ኦ እግዚኣብሄር! ድምፂ ይሁዳ ስማዕ፤
ናብ ህዝቡ ኸዓ ኣእትዎ፤
ኣእዳዉ ይፅንዓሉ፤
ካብ ተፃረርቱ ረዳኢ ኹኖ” እናበለ መረቖም።
8ንነገድ ሌዊ፦
“ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤
ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥
ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም። #ዘፀ. 17፡7፥ 28፡30፥ ዘሑ. 20፡13።
9ብዛዕባ ኣቦኦምን እኖኦምን ኣይረአናን ዝበሉ፥
ነሕዋቶምውን ዘየስተውዓሉ፥
ንደቆም ድማ ዘይፈለጥዎም፥
ቃልካ ሓሊዮም እዮም፤ ኪዳንካውን ኣፅኒዖም ሓዙ።
10ንያእቆብ ፍርድታትካ፥
ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥
ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥
ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።
11ኦ ጐይታ ሃብቶም ባርኽ፤
ግብሪ ኣእዳዎም ከዓ ተቐበል፤
መሊሶም ከም ዘይትስኡ ጌርካ፥
ሕቘ እቶም ዝፀልእዎም መፃርርቶም ስበር።”
12ብዛዕባ ብንያም ከምዙይ በለ፦
“ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ፥ ብእኡውን ተኣማሚኑ ይነብር፤
ምሉእ መዓልቲ የፅልለሉ፤
ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።”
13ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዙይ በለ፦
“ምድሩ ብእግዚኣብሄር ዝተባረኸት ትኹን፤
በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፥
በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቓላይን፥
14በቲ ኽቡር እቶት ፀሓይ፥
በቲ በዋርሕ ዝበቍል ክቡር ነገር፥
15በቲ ናይ ጥንታውያን እምባታት ብሉፅ ነገር፥
በቲ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ዝኸበረ ነገር፥
16በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፥
በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፥
እዙይ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፥
ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ ዮሴፍ ይውረድ።
17ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤
ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤
ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥
ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤
እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”
18ብዛዕባ ዛብሎን ከምዙይ በለ፦
“ኣታ ዛብሎን፥ ብምውፃእኻ ደስ ይበልካ፤
ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ ደስ ይበልካ።
19ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑፃ ዝተሓብአ መዝገብን ክጠብዉ እዮም እሞ፥
ንህዝብታት ናብ እምባ ኽፅውዑ፥
ኣብኡ መስዋእቲ ፅድቂ ኸቕርቡ እዮም።”
20ብዛዕባ ጋድ ከምዙይ በለ፦
“እቲ ንጋድ ምድሩ ዘስፍሐ ቡሩኽ ይኹን፤
ጋድ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዓሪፉ፤
ቅልፅምን ርእስን ይሰብር።
21ግደ ሓለቓ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥
እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ንባዕሉ መረፀ፤
ምስ ኣሕሉቕ ህዝቢ መፀ፤
ምስ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ
ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።”
22ብዛዕባ ዳን ኸምዙይ በለ፦
“ዳን ካብ ባሳን ዝዘልል
ሽደን ኣንበሳ እዩ።”
23ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዙይ በለ፦
“ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፥
ፀጋ ዝፀገበ እዩ፤
ንሱ ደቡብ ባሕሪ ዘሎ ምድሪ ኽወርስ እዩ።”
24ብዛዕባ ኣሴር ከምዙይ በለ፦
“ኣሴር ብውሉድ፥ ብሩኽ ይኹን፤
በሕዋቱውን ዝተፈተወ ይኹን፤
ኣእጋሩ ኸዓ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።
25ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤
ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”
26ኣታ ይሹሩን፥ ነቲ ረድኤትካ፥
ብልዕልናኡ ኣብ ደመናታትን፥
ኣብ ሰማያትን ንዝነብር ኣምላኽ፥
ዝመስሎ የለን።
27ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤
ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን፤
ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ።
28እስራኤል ተኣማሚኑ ይነብር፤
እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያእቆብውን፥
እኽልን ወይንን ኣብ ዘለዎ ምድሪ ይነብር፤
ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።
29ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤
ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ?
ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥
ሰይፊ መመክሒኻ እዩ።
ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤
ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።
Currently Selected:
ዘዳግም 33: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዘዳግም 33
33
ሙሴ ንነገዳት እስራኤል ከም ዝባረኾም
1እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
2“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤
ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤
ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤
ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤
ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።
3እወ፥ ንስኻ ንህዝብታት ተፍቅሮም፤
ኵሎም ቅዱሳንካ ኣብ ኢድካ እዮም፤
ኣብ እግርኻ ይሰግዱ፤
ትእዛዛትካ ድማ ይቕበሉ።
4ሙሴ ዝሃበና ሕጊ፥
ርስቲ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሕጊ ንሕሉ።
5ኣሕሉቕ ህዝብን
ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ምስ ተኣከቡ፥
ንሱ ኣብ እስራኤል ንጉስ ነበረ።”
6ሙሴ ንነገድ ሮቤል፦
“ሮቤል ይንበር፤ ኣይሙት፤
ሰቡውን ውሑዳት ኣይኹኑ” እናበለ መረቖም።
7ንነገድ ይሁዳ፦
“ኦ እግዚኣብሄር! ድምፂ ይሁዳ ስማዕ፤
ናብ ህዝቡ ኸዓ ኣእትዎ፤
ኣእዳዉ ይፅንዓሉ፤
ካብ ተፃረርቱ ረዳኢ ኹኖ” እናበለ መረቖም።
8ንነገድ ሌዊ፦
“ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤
ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥
ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም። #ዘፀ. 17፡7፥ 28፡30፥ ዘሑ. 20፡13።
9ብዛዕባ ኣቦኦምን እኖኦምን ኣይረአናን ዝበሉ፥
ነሕዋቶምውን ዘየስተውዓሉ፥
ንደቆም ድማ ዘይፈለጥዎም፥
ቃልካ ሓሊዮም እዮም፤ ኪዳንካውን ኣፅኒዖም ሓዙ።
10ንያእቆብ ፍርድታትካ፥
ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥
ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥
ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።
11ኦ ጐይታ ሃብቶም ባርኽ፤
ግብሪ ኣእዳዎም ከዓ ተቐበል፤
መሊሶም ከም ዘይትስኡ ጌርካ፥
ሕቘ እቶም ዝፀልእዎም መፃርርቶም ስበር።”
12ብዛዕባ ብንያም ከምዙይ በለ፦
“ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ፥ ብእኡውን ተኣማሚኑ ይነብር፤
ምሉእ መዓልቲ የፅልለሉ፤
ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።”
13ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዙይ በለ፦
“ምድሩ ብእግዚኣብሄር ዝተባረኸት ትኹን፤
በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፥
በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቓላይን፥
14በቲ ኽቡር እቶት ፀሓይ፥
በቲ በዋርሕ ዝበቍል ክቡር ነገር፥
15በቲ ናይ ጥንታውያን እምባታት ብሉፅ ነገር፥
በቲ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ዝኸበረ ነገር፥
16በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፥
በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፥
እዙይ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፥
ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ ዮሴፍ ይውረድ።
17ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤
ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤
ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥
ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤
እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”
18ብዛዕባ ዛብሎን ከምዙይ በለ፦
“ኣታ ዛብሎን፥ ብምውፃእኻ ደስ ይበልካ፤
ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ ደስ ይበልካ።
19ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑፃ ዝተሓብአ መዝገብን ክጠብዉ እዮም እሞ፥
ንህዝብታት ናብ እምባ ኽፅውዑ፥
ኣብኡ መስዋእቲ ፅድቂ ኸቕርቡ እዮም።”
20ብዛዕባ ጋድ ከምዙይ በለ፦
“እቲ ንጋድ ምድሩ ዘስፍሐ ቡሩኽ ይኹን፤
ጋድ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዓሪፉ፤
ቅልፅምን ርእስን ይሰብር።
21ግደ ሓለቓ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥
እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ንባዕሉ መረፀ፤
ምስ ኣሕሉቕ ህዝቢ መፀ፤
ምስ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ
ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።”
22ብዛዕባ ዳን ኸምዙይ በለ፦
“ዳን ካብ ባሳን ዝዘልል
ሽደን ኣንበሳ እዩ።”
23ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዙይ በለ፦
“ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፥
ፀጋ ዝፀገበ እዩ፤
ንሱ ደቡብ ባሕሪ ዘሎ ምድሪ ኽወርስ እዩ።”
24ብዛዕባ ኣሴር ከምዙይ በለ፦
“ኣሴር ብውሉድ፥ ብሩኽ ይኹን፤
በሕዋቱውን ዝተፈተወ ይኹን፤
ኣእጋሩ ኸዓ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።
25ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤
ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”
26ኣታ ይሹሩን፥ ነቲ ረድኤትካ፥
ብልዕልናኡ ኣብ ደመናታትን፥
ኣብ ሰማያትን ንዝነብር ኣምላኽ፥
ዝመስሎ የለን።
27ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤
ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን፤
ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ።
28እስራኤል ተኣማሚኑ ይነብር፤
እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያእቆብውን፥
እኽልን ወይንን ኣብ ዘለዎ ምድሪ ይነብር፤
ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።
29ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤
ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ?
ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥
ሰይፊ መመክሒኻ እዩ።
ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤
ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in