ዘዳግም 30
30
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ተመለስካ ዝርከብ ፀጋ
1“ኵሉ እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም በረከትን መርገምን ምስ መፀኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብቶም ፋሕ ዘበለኩም ኵሎም ኣህዛብ ኴንኩም ከዓ፥ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም እንተ ሓሰብኩምዎ፥ 2ከምዝ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተመሊስኩም፥ ቃሉ ድማ እንተ ሰሚዕኹም፥ 3ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ። 4እቶም ሰጐጕትኹም ክሳዕ ወሰን ምድሪ እኳ እንተ ኣብፅሑኹም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብኡ ኽእክበኩም እዩ፤ ካብኡውን ከምፅአኩም እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ናብታ ኣቦታትኩም ዝወረስዋ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትወርስዋ ኢኹም እሞ፥ ንሱ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ካብ ኣቦታትኩም ድማ ብዝበለፀ ኸብዝሐኩም እዩ። 6ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ። 7እዝ ዅሉ መርገም እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብቶም ዝፀልኡኹምን ዝሰጕኹምን ፀላእትኹም ክመልሶ እዩ። 8ንስኻትኩም ድማ ተመሊስኩም ንቓል እግዚኣብሄር ክትሰምዕዎ፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ኽትፍፅምዎ ኢኹም። 9-10ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም፥ ኣብዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ዝተፅሓፈ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ተመሊስኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትኩም ተሓጕስዎ ዝነበረ፥ መሊሱ ንኣኻትኩም ፅቡቕ ብምግባር ክሕጐስ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኵሉ ተግባር ኢድኩምን ውሉድኩምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክባርኸልኩም እዩ።
ህይወትን ሞትን
11“እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት፥ ንኣኻትኩም የመና ዘፀግምን ካባኻትኩም ዝረሓቐን ኣይኮነን። 12ስለዙይ ‘ናብ ሰማይ ዝድይበልናን ዘምፅአልናን ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና መን እዩ?’ ከይትብሉ ኣብ ሰማይ ኣይኮነን ዘሎ። 13‘ባሕሪ ዝሳገረልናን ዘምፅአልናን፥ ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና እሞ መን እዩ?’ ኸይትብሉውን፥ ኣብ ማዕዶ ባሕሪ ኣይኮነን ዘሎ። 14እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን የመና ቐረባኹም እዩ ዘሎ፤ ስለዙይ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። #ሮሜ 10፡6-8።
15“ረአ፥ ሎሚ ህይወትን በረከትን፥ ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ። 16ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ክትበዝሑን፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ፥ ብመንገዱ ኸዓ ኽትከዱ፥ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕልዉ፥ ኣነ ሎሚ እእዝዘኩም ኣለኹ። 17ግና ልብኹም ንድሕሪት እንተ ተመለሰ እሞ ምእዛዝ እንተ ኣበኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኸዓ እንተ ተስሓብኩምን እንተ ኣምለኽኩምዎምን፥ 18ብርግፅ ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ። ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ መዋእልኩም ክሓፅራ እየን።
19“ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ። 20#ዘፍ. 12፡7፥ 26፡3፥ 28፡13። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።”
Currently Selected:
ዘዳግም 30: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in