“ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።”