ዘዳግም 29
29
ምሕዳስ ኪዳን
1እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ኮሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከዓ ንሙሴ ምስኣቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ።
2ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም። 3እቲ ዓበይቲ ፈተናታትን፥ እቲ ምልክታትን ዓበይቲ ተኣምራትን በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። 4ግና እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተስተብህሉሉ ልቢ፥ እትሪኡሉ ዓይኒ፥ እትሰምዑሉ እዝኒ ኣይሃበኩምን። 5ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም፤ ክዳውንትኹም ኣይበለየን፤ ኣሳእንኩምውን ኣይኣረገን። 6እንጀራ ኣይበላዕኹምን ወይንን ብርቱዕ መስተንውን ኣይሰተኹምን። እግዚኣብሄር ግና፥ ኣምላኽኩም ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ ባዕሉ መገበኩም።
7“ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መፃእና ኸዓ፥ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን ዓግ ንጉስ ባሳንን ክዋግኡና ኢሎም ወፁ፤ ንሕና ግና ሰዓርናዮም። #ዘሑ. 21፡21-30፥ 21፡31-35። 8ሃገሮም ሓዝና፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ርስቲ ሃብናዮም። #ዘሑ. 32፡33።
9“ኵሉ እቲ እትገብርዎ ምእንቲ ኽሰልጠኩምስ ንቓል እዝ ኺዳን እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። 10-11ሎሚ ዅልኻትኩም፥ ኣሕሉቕኩም፥ መራሕቲ ነገዳትኩም፥ ዓበይትኹም፥ ሹመኛታትኩም፥ ኵሎም ሰብኡት ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ደቅኹምን ኣንስትኹምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ፈለፅቲ ዕንፀይትኹምን፥ ቀዳሕቲ ማይኩም ዝኾኑ ጓኖትን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም። 12-13ከምቲ ዘተስፈወኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሎሚ ምሳኻትኩም ብማሕላኡ ዘቖሞ ቃል ኪዳን ምእንቲ ኽትኣትዉ፥ ሎሚ ህዝቡ ገይሩ ኸቑመኩም፥ ንሱ ኸዓ ኣምላኽኩም ክኸውን ኣብዙይ ደው ኢልኩም ኣለኹም። 14-15እዝ ኺዳን እዙይን እዝ ማሕላ እዙይን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዙይ ምሳና ቖይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዙይ ዘየለዉንውን እምበር፥ ምሳኻትኩም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዘቑሞ ዘለኹ።
16“ኣብ ግብፂ ኸመይ ከም ዝነበርናን ብማእኸል ኣህዛብ ድማ ኸመይ ከም ዝሓለፍናን ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 17እቲ ኣብኣቶም ዝነበረ ብዕንፀይትን ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ዘፀይፍ ጣዖታቶም ረአኹም። 18እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ። #ዕብ. 12፡15።
19“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። 20ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ። 21እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ ናይ ኪዳን መርገም፥ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ንጥፍኣት ክፈልዮ እዩ።
22“ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም። 23ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ። #ዘፍ. 19፡24-25። 24ኵሎም ህዝብታት ድማ ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዙይ ዝገበራ? ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር የመና ዝተቘጥዓ?’ ኽብሉ እዮም።
25“ከምዙይ ኢሎም ከዓ ኽምልሱሎም እዮም፦ ‘እቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስኣቶም ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ እዩ። 26ከይዶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣይትስገዱሎም ኢሉ ንዝኸልከሎም፥ ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ። 27ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ የመና ተቘጥዓ፥ እቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ መርገም ድማ ኣውረደላ። 28እግዚኣብሄር ብዅራን ብንደትን ብዓብዪ ቝጥዓን ካብ ሃገሮም ንቕል ኣቢሉ ኸምዝ ሎሚ ኾይኖምዎ ዘለዉ፥ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።’
29“ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፥ እቲ ግሉፅ ግና፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ምእንቲ ኽንፍፅም፥ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።
Currently Selected:
ዘዳግም 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in