ዘዳግም 24
24
1“ሓደ ሰብ ሰበይቲ እንተእተወ፥ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ ይስደዳ። #ማቴ. 5፡31፥ 19፡7፥ ማር. 10፡4። 2ካብ ቤቱ ወፂኣ ድማ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዓወት፥ 3እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ፀልኣ፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ እንተ ሰደዳ፥ ወይ ድማ እንተ ሞተ፥ 4ስለ ዝረኸሰት እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፥ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን እዩ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ ሓጢኣት ኣይተምፅኡላ።
5“ሓደ ሰብ ምስ ተመርዐወ ናብ ውግእ ኣይውፃእ፤ ካልእ ማሕበራዊ ሓላፊነት ድማ ኣይፅዓንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ገዛኡ ሓራ ይኹን፤ ነታ ዘእተዋ ሰበይቱውን የሐጕሳ።
6“ዝኾነ ይኹን ሰብ ትሕጃ ገይሩ መጥሓንን መዲድን ኣይውሰድ፤ ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ምውሳድ እዩ እሞ።
7“ሓደ ሰብ፥ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፥ ባርያ ኽገብሮ ወይ ክሸጦ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ሰራቒ እቱይ ይቀተል፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። #ዘፀ. 21፡16።
8“ሕማም ለምፂ እንተ ሓዘኩም፥ ከምቲ ዅሉ ሌዋውያን ካህናት ዝመሃሩኹም ግበሩ። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎምውን ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። #ዘሌ. 13፡1-14፥54። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እቲ ኻብ ግብፂ ወፂእኹም ኣብ መንገዲ እንተለኹም፥ ኣብ ሚርያም ዝገበሮ ዘክሩ። #ዘሑ. 12፡10።
10“ንብፃይኩም ዝኾነ ልቓሕ እንትተለቅሕዎ፥ ትሕጃ ኽትወስዱ ናብ ገዛኡ ኣይትእተዉ። 11ኣብ ደገ ደው ኢልኩም ፅንሑ፤ እቲ ዘለቃሕኹምዎ ሰብ ነቲ ትሕጃ ናብ ደገ ናባኻትኩም የውፅኣዮ። 12እቲ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ ነቲ መትሓዚ ምሳኻትኩም ኣይተሕድርዎ። 13ተኸዲንዎ ምእንቲ ኽድቅስ፥ ነቲ ኽዳን ለይቲ፥ ብዓራርቦ ፀሓይ ምለሱሉ፤ ንሱውን ኽምርቐኩም እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ፅድቂ ኽቝፀረልኩም እዩ። #ዘፀ. 22፡26-27።
14“ንድኻን ፅጉምን ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ፥ እስራኤላዊ ኾነ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታትኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኣይተጨንቕዎ። 15ንሱ ድኻ፥ ትፅቢቱ ድማ ኻብ ውዕለቱ እዩ እሞ፥ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት ሃብዎ፤ እንተ ዘይኮነ ናብ እግዚኣብሄር ክጠርዕ እዩ፤ ሓጢኣት ድማ ክኾነኩም እዩ። #ዘሌ. 19፡13።
16“ኣቦታት ብሓጢኣት ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቆምውን ብሓጢኣት ኣቦታቶም ኣይቀተሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይቀተል። #2 ነገ. 14፡6፥ 2 ዜና. 25፡4፥ ሕዝ. 18፡20።
17“ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ክዳን መበለት ከዓ ብትሕጃ ኣይትውሰዱ። 18ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ኻብኣ ኸም ዘድሓነኩምን ዘክሩ። ስለዙይ ድማ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ። #ዘፀ. 23፡9፥ ዘሌ. 19፡33-34፥ ዘዳ. 27፡19።
19“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ ግብሪ ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩምስ፥ እኽልኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሳዕኹም፥ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፥ ክትወስድዎ ኣይትመለሱ። 20ፍረ ኣውሊዕኹም ክተርግፉ እንተለኹም፥ መሊስኩም ኣብ ጨንፈር ዘሎ ኣይትእረዩ፤ ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። 21ወይንኹም ክትቅንጥቡ እንተለኹምውን፥ መሊስኩም ኣይትቐርምዎ። ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። #ዘሌ. 19፡9-10፥ 23፡22። 22ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ስለዙይ ከዓ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።”
Currently Selected:
ዘዳግም 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in