YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 25

25
1“ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ተልዓለ፥ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ። እቶም ፈራዶ ነቲ ቕኑዕ ነፃ የውፅእዎ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ ይቕፅዕዎ። 2እቲ በዳሊ መግረፍቲ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ፈራዲ፥ ብኣፍ ልቡ ናብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ፥ ከም ልክዕ በደሉ ብቝፅሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። 3ይኹን እምበር ካብ ኣርብዓ ዝበዝሕ ኣየግርፎ፤ እስራኤላዊ ሓውካ ኣብ ቅድሜኻ ኸይሓስር ካብ ኣርብዓ ኣይብዛሕ። #2 ቆሮ. 11፡24።
4“እኽልኻ እንትተኽይድ ኣፍ ብዕራይ ኣይትልጐም። #1 ቆሮ. 9፡9፥ 1 ጢሞ. 5፡18።
5“ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፥ እቲ ሓደ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ኻብ ቤተ ሰብ ወፃኢ ንኻልእ ኣይትመርዖ። እቲ ሓሙታ ተመርዕዩ ንባዕሉ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈፅመላ። 6ስም እቲ ምዉት ሓዉ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ ድማ፥ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስም እቲ መዋቲ ይፀዋዕ። #ማቴ. 22፡24፥ ማር. 12፡29፥ ሉቃ. 20፡28።
7“እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም። 8ሽዑ እቶም ሹመኛታት ከተማ ናብኣቶም ፀዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸዓ፥ ‘ክወርሳ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ፀንዐ፥ 9እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት ናብኡ ትቕረብ፤ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውፅእ፤ ናብ ገፁ እውን እንትፍ ትበለሉ፤ ‘ገዛ ሓዉ ንዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ’ ኢላ ድማ ትዛረብ። 10ስሙ ኸዓ ኣብ እስራኤል ‘ቤት ፍቱሕ ሳእኑ’ ይበሃል። #ሩት 4፡7-8።
11“ክልተ ሰባት ንስንሳቶም እንተ ተበኣሱ፥ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸዓ፥ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዝወቕዖ ኽተድሕኖ ኢላ፥ ሓፍረት እቲ መባእስቱ እንተ ሓዘት፥ 12ኢዳ ቝረፅዋ፥ ኣይተናሕስዩላ።
13“ኣብ ውሽጢ ኸረጢትኩም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይትሓዙ። 14ኣብ ገዛኹም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይሃሉኹም። 15ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ትኽክልን ቅኑዕን ሚዛን ይሃሉኹም፤ ትኽክልን ቅኑዕን መስፈሪውን ይሃሉኹም። 16ነዝ ዅሉ ዝገብርን ዝዕምፅን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅሉእ እዩ። #ዘሌ. 19፡35-36።
17“ካብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ነቲ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ ዝገበሩኹም ዘክርዎ። 18ንስኻትኩም ደኺምኩምን ዓቕሚ ስኢንኩምን እንተለኹም፥ ኣብ መንገዲ ብድንገት ከም ዝተራኸቡኹም ንእግዚኣብሄር እንተይፈርሑ ኸዓ፥ ነቶም ዳሕረዎት፥ ንዅሎም እቶም ብድሕሬኹም ዝነበሩ ድኹማትኩም ከም ዝወቕዑ ዘክርዎ። 19እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን። #ዘፀ. 17፡8-14፥ 1 ሳሙ. 15፡2-9።

Currently Selected:

ዘዳግም 25: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in