ዘዳግም 14
14
ንፁህን ርኹስን ምግቢ
1“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። #ዘሌ. 19፡28፥ 21፡5። 2ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተቐደሰ ህዝቢ ኢኹምሞ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮንዎ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻትኩም ሓረየኩም። #ዘፀ. 19፡5-6፥ ዘዳ. 4፡20፥ 7፡6፥ 26፡18፥ ቲቶ 2፡14፥ 1 ጴጥ. 2፡9።
3“ርኹስ ዝኾነ ኣይትብልዑ። 4እትበልዕዎም እንስሳት እዚኣቶም እዮም፦ ብዕራይ፥ በጊዕ፥ ጤል፥ 5ድኩላ፥ ሰስሓ፥ ዓጋዘን፥ ጤል በረኻ፥ ዘራፍ፥ ሜዳቝ፥ ቶራ። 6ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ፥ ዘመዅስዕ ኵሉ እንስሳ ብልዑ። 7ካብ ዘመዅስዑ፥ ሸዀናኦምውን ካብ ዝተመቕለ፥ እዞም ዝስዕቡ ኣይትብልዑ፦ ግመል፥ ማንቲለ፥ ጊሐ። እዚኣተን የመዅስዓ እየን፥ ሸዀናአን ግና ኣይተሰንጠቐን እሞ፥ ርኹሳት ይኹናኹም። 8ሓሰማ፥ ሸዀናኣ ዝተሰንጠቐ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ፤ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋኣ ኣይትብልዑ፤ በድናውን ኣይትንክኡ።
9“ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዙይ እዩ፦ ኵሉ ኽንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ብልዑ። 10ክንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ግና ኣይትብልዑ፤ እዙይ ርኹስ ይኹንኩም።
11“ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። 12ካብኣተን ከዓ ዘይትበልዕወን እዘን ዝስዕባ እየን፦ ንስሪ፥ ጋማት፥ ወሓጥ ዓሳ፥ 13ሊሎ፥ በላዕ ልኻይ፥ ፃዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱ፥ 14ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥ 15ሰገን፥ ጉጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፥ 16ንእሽተይ ጉጓ፥ ዓባይ ጉጓ፥ ቀራን ጉጓ፥ 17ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥ ሓሓት፥ 18ራዛ፥ ሰብፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምበሃረጆ፥ ምንኪዕ።
19“ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ ለመምታ ኸዓ ርኹስ ይኹንኩም፤ ኣይትብልዕዎ። 20ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
21“ንስኻትኩምስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ዝኾነ ሞይቱ ዝተረኽበ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ኸተማኹም ንዘሎ ስደተኛ ሃብዎ። ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጥዎ።
“ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ። #ዘፀ. 23፡19፥ 34፡25።
ዓስራት
22“ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትኩም ዝርከብ ዅሉ እቶትኩም ዓስራት ሃቡ። 23ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምፍራሕ ኵልሻዕ ምእንቲ ኽትመሃሩስ፥ ነቲ ዓስራት ስርናይኩም፥ ወይንኹም፥ ዘይትኹም፥ በዅሪ ኸፍትኹም፥ ኣባጊዕኹም፥ ኣብታ ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዕዎ። 24እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ምስ ባረኸኩም፥ እታ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩም እሞ መንገዲ ስለ ዝነውሐኩም፥ ናብኣ ኽተምፅእዎ እንተ ዘይተኽኣለኩም፥ 25ሽጥዎ እሞ፥ እቲ ገንዘብ ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። 26በቲ ገንዘብ እቱይ ኵሉ ቓሕ ዝበለኩም ላሕሚ፥ በጊዕ፥ ወይንን ብርቱዕ መስተን፥ ወይ ካልእ ቃሕ ዝበለኩም ዓድጉ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብኡ ብልዕዎ፥ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ከዓ ተሓጐሱ። 27ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ሌዋዊ ድማ፥ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን የብሉን እሞ፥ ሸለል ኣይትበልዎ።
28“በብመወዳእታ ሰለስተ ዓመት ካብ ኵሉ ናይታ ዓመት እቲኣ እቶትኩም፥ ዓስራት ኣውፂእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ኣክብዎ። 29#ዘሌ. 27፡30-33፥ ዘሑ. 18፡21። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ እትገብርዎ ተግባር ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩም፥ እቲ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋዊን እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ይምፅኡ እሞ ይብልዑን ይፅገቡን።”
Currently Selected:
ዘዳግም 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in