YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 13

13
ንጣዖት ምስጋድ ከም ዘይግባእ
1“ካባኻትኩም ነቢይ፥ ወይ ሓላሚ ሕልምታት እንተ ተስአ እሞ ብዛዕባ ዝኾነ ምልክት ወይ ተኣምራት እንተ ሃበኩም፥ 2እቲ ምልክት ወይ እቲ ተኣምራት ከዓ ኸምቲ ዝበለኩም እንተ ተፈፀመ፥ ‘ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥ 3ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ። 4ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰዓቡ፤ ንእኡ ፍርሑ፤ ትእዛዛቱ ሓልዉ፤ ቃሉ ስምዑ፤ ንእኡ ኣገልግሉ፤ ናብኡውን ቅረቡ። 5ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትከድዋ ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኸግልሰኩም፥ ካብቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም፥ ካብ ምድሪ ባርነት ድማ ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኽድዐኩም ስለ ዝተዛረበ፥ እቲ ነቢይ እቱይ ወይ እቲ ሓላሚ ሕልምታት እቱይ ይቀተል። በዝ ኸምዙይ ከዓ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
6“ሓውካ ወዲ እኖኻ፥ ወድኻ፥ ወይ ጓልካ ወይ እትፈትዋ ሰበይትኻ ወይ እተፍቅሮ ዓርክኻ፥ ‘ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፥ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፥ 7ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን፥ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፥ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ንዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ነምልኽ ኢሉ እንተ ደፋፍአካ፥ 8ሕራይ ኣይትበሎ፤ ኣይትስምዓዮ፤ ኣይትራህርሀሉ፤ ኣይተናሕስየሉ፤ ኣይትሕብኣዮውን። 9ፈፂምካ ቕተሎ፤ ንእኡ ንምቕታል ቅድም ናትካ ኢድ፥ ደሓር ከዓ ኢድ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን። 10ካብቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከርሕቐኩም ደልዩ እዩ እሞ፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ። 11ሽዑ ዅሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ካብ ማእኸልኩም ድማ ኸምዙይ ዝበለ ክፉእ ስራሕ ኣይገብሩን እዮም።
12-13“ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብሩለን እግዚኣብሄር ዝህበኩም ከተማታት፥ ክፉኣት ሰባት ካባኻትኩም ተሲኦም፥ ‘ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ’ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሒቶምዎም ክብሉ እንተ ሰማዕኹም፥ 14ሽዑ ጠይቑ፤ ብጥንቃቐ ኸዓ መርምሩ። እንሆ ድማ፥ እዝ ነውሪ ነገር እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዝተገብረ፥ ሓቅን ርግፅን እንተ ኾይኑ፥ 15ኣብታ ኸተማ ንዝነብሩ ብስሕለት ሰይፊ ፈፂምኩም ወድእዎም፤ ንሳን ኣብኣ ዘለዉ ዅሎምን ነውራማት እዮም እሞ፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ንኸፍታቶምውን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእወን። 16ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣብ ማእኸል ኣደባባያ ኣክብዎ፤ ነታ ኸተማን ንዅሉ ኻብኣ ዝተዘምተን ብምሉኡ ኸም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፤ መሊሳ ኸዓ ኣይትተሃነፅ።
17-18“ካብቲ ሕሩም ነገር ሓደ እኳ እንተ ዘየልዒልኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ቍጥዓ መዓቱ ኽምለስ እዩ። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እንተ ሓሊኹም ቅኑዕን ሰናይን ተግባር እንተ ጌርኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እውን እንተ ሰሚዕኹም፥ ንሱ ምሕረት ክገብረልኩም ክርህርሀልኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ከዓ ኸብዝሐኩም እዩ።”

Currently Selected:

ዘዳግም 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in