YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 15

15
ዕዳ ዝሕደገሉ ዓመት
(ዘሌ. 25፡1-7)
1“ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ናይ ዕዳ ምሕረት ግበር። 2ከምዝ ዝስዕብ ጌርኩም መሓርዎ፦ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብፃዩ ዘለቅሖ ይሕደገሉ፤ እግዚኣብሄር ስርየት ዕዳ ኣዊጁ እዩ እሞ፥ እቲ መለቅሒ ኻብ ብፃዩን ካብ ሓዉን ኣይድለዮ። 3ካብ ጓና ድለዮ እምበር፥ ኣብ ሓውካ ዘለካ ግና ሕደገሉ። 4-5ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘውርሰኩም ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ብርግፅ ክባርኸኩም እዩ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልውዎን ፈፅምዎን፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም ደኣ ስምዕዎ እምበር፥ ኣብ ማእኸልኩም ድኻ ኣይርከበኩምን እዩ። 6እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም ክባርኸኩም እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፥ ንስኻትኩም ግና ኣይትልቅሑን ኢኹም። ንብዙሓት ህዝብታት ክትገዝኡ ኢኹም፥ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኹምን እዮም።
7“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደገታትኩም ካብ ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ሓደ እንተ ደኸየ፥ ልብኹም ኣይተፅንዑሉ፤ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሓውኩም፥ ኢድኩም ኣይትጨብጡ። 8ኢድኩም ዘርጊሕኹም ደኣ ብልግሲ ሃብዎ፤ ዘድልዮ ኸዓ ኣለቅሕዎ። #ዘሌ. 25፡35። 9‘እታ ዕዳ ዝሕደገላ ሻውዐይቲ ዓመት ቀሪባ እያ’ ኢልኩም ንድኻ ሓውኩም ልቓሕ ኣይትኽልእዎ። ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ልብኹም ከይተሕድሩ። ዓይንኹም ኣብ ልዕሊኡ ኽፉእ ከይኸውን ንሱውን ብዛዕባኹም ናብ እግዚኣብሄር ከይጠርዕ፥ ሓጢኣት ከዓ ኸይኾነኩም ተጠንቐቑ። 10ፈቲኹም ሃብዎ፤ ንእኡ ብምሃብኩምውን ልብኹም ኣይናሳሕ፤ በዝ ምኽንያት እዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ስራሕኹምን ተግባር ኢድኩምን ክባርኸኩም እዩ። 11ድኻታት ኣብ ማእኸል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፥ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ እተፀገመ ሓውኩም ኢድኩም ክትከፍቱ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ። #ማቴ. 26፡11፥ ማር. 14፡7፥ ዮሓ. 12፡8።
ንግዙኣት ሓራ ምውፃእ
(ዘፀ. 21፡1-11)
12“ዕብራዊ ሓውኩም፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ኣባኻትኩም እንተ ተሸጠ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ተገዝአኩም፥ በታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውፂእኹም ሕደግዎ። 13ሓራ ኣውፂእኹም ክትሰድዎ እንተለኹም ድማ፥ ጥራሕ ኢዱ ኣይትስደድዎ። 14ካብ መጓሰኹምን ካብ እኽልኹምን ካብ ወይንኹምን ብልግሲ ሃብዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸኩም መጠን ሃብዎ። 15ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ከም ዘድሓነኩም ዘክሩ፤ ስለዙይ ድማ እየ ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።
16“ባርያኻ ግና ምሳኻ ስለ ዝመቸዎ፥ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ ‘ካባኻ ኣይወፅእን’ እንተበለካ፥ 17ሽዑ፥ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕፆ ጌርካ ስቘሮ፤ ንሓዋሩውን ግዙእኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበር። 18ካባኻ ሓራ እንትተውፅኦ ኣይኽበድካ፤ እቲ ንሱ በዘን ሽዱሽተ ዓመታት ዝሃበካ ኣገልግሎት ዕፅፊ ናይቲ ዕሱብ ኣገልጋሊ ዝግመት እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ እትገብሮ ኽባርኸካ እዩ። #ዘሌ. 25፡39-46።
በዅሪ እንስሳ
19“ካብ ኵሉ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተወልደ ተባዕታይ በዅሪ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍለይዎ። ብበዅሪ ብዕራይኩም ኣይትስርሑ፤ ፀጕሪ በዅሪ በጊዕኹም ድማ ኣይትቝረፁ። #ዘፀ. 13፡12። 20ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ቦታ በብዓመቱ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። 21ግና እቲ እንስሳ ሓደ ጐደሎ እንተልይዎ፥ ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ኢንታ እንተልይዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ። 22ኣብ ውሽጢ መረባኻትኩም ብልዕዎ። ከምቲ ንሰስሓን እራብን እትበልዕዎ ጌርኩም፥ ንፁህን ዘይንፁህን ሰባት ብሓደ፥ ዄንኩም ብልዕዎ። 23ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ደሙ ኣይትብልዑ።” #ዘፍ. 9፡4፥ ዘሌ. 7፡26-27፥ 17፡10-14፥ 19፡26፥ ዘዳ. 12፡16፥23።

Currently Selected:

ዘዳግም 15: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in