“ካባኻትኩም ነቢይ፥ ወይ ሓላሚ ሕልምታት እንተ ተስአ እሞ ብዛዕባ ዝኾነ ምልክት ወይ ተኣምራት እንተ ሃበኩም፥ እቲ ምልክት ወይ እቲ ተኣምራት ከዓ ኸምቲ ዝበለኩም እንተ ተፈፀመ፥ ‘ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ።