YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 2

2
ደቂ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኸርተት ከም ዝበሉ
1“ካብኡ ተመሊስና ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ምብራቓዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልና ንምድረ በዳ ገፅና ተጕዓዝና። ንእምባ ሴይር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።” #ዘሑ. 21፡4።
2እግዚኣብሄር ድማ ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦ 3“ነዝ እምባዙይ ምዛር ይኣኽለኩም፤ ተመሊስኩም ናብ ሰሜን ኪዱ። 4ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ብወሰን እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ደቂ ኤሳው፥ ክትሓልፉ ኢኹም፤ ንሳቶም ይፈርሑኹም እዮም፤ ግና የመና ተጠንቀቑ። #ዘፍ. 36፡8። 5ኣይትዋግኡዎም፤ ደጕዓ ሴይር ንኤሳው ርስቲ ገይረ ሂበዮ እየ እሞ፥ ካብታ ምድሮም መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ። 6እንጀራ፥ ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፤ ማይውን ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ።
7“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”
8ነቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሓሊፍና ድማ፥ ካብታ ኻብ ኤላትን ካብ ዔፅዮንጋብርን እተውፅእ ናብ ባሕሪ ጨው #2፡8 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። እትወስድ መንገዲ ኣግለስና። ገፅና መሊስና ኸዓ በታ ናብ ሞኣብ እትወስድ መንገዲ ምድረ በዳ ሓለፍና።
9እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ ዔር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፥ ካብኣ ርስቲ ኣይህበኩምን እየ። ስለዙይ ንሞኣባውያን ኣይትሃውኮም፤ ኣይትዋግኣዮምውን” በለኒ። #ዘፍ. 19፡37።
10(ቅድም ሓደ ዓቢይን ብዙሕን ኤሚም ዝበሃል ህዝቢ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ፤ ከም ዔናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ሰባት ነበሩ። 11ንሳቶም ከምቶም ዔናቃውያን፥ ረፋውያን ይብሃሉ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ኢሎም ይፅውዕዎም ነበሩ። 12ሖራውያን ድማ ቕድም ኣብ ሴይር ይቕመጡ ነበሩ፤ ደቂ ኤሳው ግና፥ ከምቲ ደቂ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኽወርስዋ እንተለዉ ዝገበርዎ፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፊኦም ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ።)
13እግዚኣብሄር ድማ፦ “ተስኡ ንሩባ ዘሬድ ተሳገርዎ” በለና። ንሩባ ዘሬድ ድማ ተሳገርናዮ።
14ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ሩባ ዘሬድ እንሳገር ዝተጕዓዝናሉ ዘመን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም ትውልዲ እቶም ሰልፈኛታት ክሳዕ ዝጠፍእ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ። #ዘሑ. 14፡28-35። 15ካብ ማእኸል ሰፈር ተቘሪፆም ክሳዕ ዝጠፍኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረት።
16ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኵሎም እቶም ሰልፈኛታት ሰባት ምስ ጠፍኡ፥ ካብ ማእኸል ህዝቢ እውን ሞይቶም ምስ ተወድኡ፥ 17እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦ 18ሎሚ ንስኻትኩም ብዔር ኣቢልኩም ብወሰን ሞኣብ ክትሓልፉ ኢኹም። 19ናብ ደቂ ኣሞን ምስ ቀረብኩም፥ ኣይትሃውኹዎም፤ ኣይትዋግኡዎምውን። ንደቂ ሎጥ ርስቲ ሂበዮም እየ። ስለዙይ ካብ ርስቲ ደቂ ኣሞን ሓደ እኳ ኣይህበኩምን እየ። #ዘፍ. 19፡38።
20(እዛ ምድሪ እዚኣ ረፋውያን ይነብርዋ ስለ ዝነበሩ፥ ምድሪ ራፋይም ኢሎም ይፅውዕዋ ነበሩ። ኣሞናውያን ግና ዘምዙማውያን ይብልዎም ነበሩ። 21ከም ዔናቃውያን፥ ዓቢይን ብዙሕን ህዝቢ፥ እቶም ሰባት ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ነበሩ። ግና እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም እሞ፥ ንኣኣቶም ሰጐጎም፤ ኣብ ቦታኣቶምውን ተቐመጡ። 22እግዚኣብሄር ኣብ ሴይር ንዝነበሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም፤ ንኣኣቶም ሰጒጎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ። 23ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)
24እግዚኣብሄር ድማ “ሕዚ ተስኡ፤ ተጕዓዙውን፤ ንፈለግ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ፥ ንጉስ ሓሴቦን ምስ ኵሉ ምድሩ ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ምስኡ ኸዓ ተዋግኡ እሞ ምድሩ ውረሱ። 25ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብታት፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብኣኻትኩም ከም ዘንቀጥቅጡን ከም ዝሽበሩን ክገብሮም እየ። ወረኹም ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክፈርሑን ራዕዲ ድማ ኽሕዞምን እዩ” በለና።
ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ከም ዝተስዓረ
(ዘሑ. 21፡21-30)
26ካብ ምድረ በዳ ቅዴሞት ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን፥ እዝ መልእኽቲ ሰላም እዙይ ዝሓዙ ሰባት ሰደድኩሉ፦ 27“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ንየማንን ንፀጋምን እንተየግለስና በቲ ጐደና ኽንከይድ ኢና። 28እንበልዖ እንጀራ ብገንዘብ ሽጠልና፤ እንሰትዮ ማይውን ብገንዘብ ሃበና። ንእግርና ጥራሕ ኣሕልፈና። 29ከምቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዔር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩልና ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበና ምድሪ ንፈለግ ዮርዳኖስ ክንሳገር ፍቐደልና” በልክዎ። 30ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።
31እግዚኣብሄር ከዓ “እንሆ፥ ንሴዎንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ምሃብ ጀሚረ ኣለኹ፤ ስዒርካ ንምድሩ ክትወርስ ከዓ ጀምር” በለኒ።
32ሴዎን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኽዋግአና ናብ የሃፅ ወፀ። 33እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና፤ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ከዓ ቐተልናዮም። 34በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንዅለን ከተማታቱ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። 35ነተን ከፍቲ ዘመትናየን፤ ነተን ከተማታትውን ወረርናየን። 36ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር፥ በታ ኣብ ፈለግ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ ገለዓድ ዘለዋ ኸተማታት ሓንቲ እኳ ብምንዋሕ ዕርዳ ዝበርትዐትና ኣይነበረትን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዅለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና። 37ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና፥ ናብ ምድሪ ደቂ ኣሞንን፥ ናብ ኵሉ ወገን ፈለግ ያቦቅን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበራ ኸተማታትን ኣይቀረብናን።

Currently Selected:

ዘዳግም 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in