YouVersion Logo
Search Icon

ዳንኤል 4

4
ካልኣይ ሕልሚ ናቡከደነፆር
1ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦
ሰላም ይብዝሐልኩም። 2እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ዝገበረለይ፥ ተኣምራትን ዘደንቕ ስራሕን ክነግር ፅቡቕ ኮይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
3ተኣምራቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ፤
ድንቅታቱ ኸመይ ብርቱዕ እዩ!
መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እዩ፤
ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
4“ኣነ ናቡከደነፆር ኣብ ቤተይ ዓሪፈ፥ ኣብ ኣዳራሸይውን ደስ ኢሉኒ ነበርኩ። 5ግና ሓደ ዘደንግፅ ሕልሚ ረአኹ፤ ኣብ መደቀስየይ ደቂሰ እንተለኹ፥ ሓሳባትን ራእያትን ንኣእምሮይ ኣጨነቐኒ። 6ስለዙይ ኵላቶም ጠቢባን ባቢሎን፥ ናባይ መፂኦም ትርጉም እቲ ሕልሚ ኸፍልጡኒ ኣዘዝኩ። 7ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። 8ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ፥ ብልጣሶር ተብሂሉ ዝተሰምየ፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ናባይ መፀ። ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዙይ ኢለ ተዛረብኩ፦ 9ኣታ ሊቀ ጠቢባን ብልጣሶር፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘለካን፥ ዘይትፈልጦ ምስጢር ከዓ ኸም ዘየለን እፈልጥ እየ እሞ፥ እቲ ዝረአኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጕሙን ንገረኒ።
10“እቲ ኣብ ምድቃሰይ እንተለኹ ዝረአኽዎ ራእይ ከምዙይ እዩ፦ እንሆ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኦም ረአኹ፤ ቁመቱ ኸዓ የመና ነዊሕ ነበረ። 11እቲ ኦም ዓበየ፤ በርትዐውን። ቁመቱ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ መልክዑውን ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይረአ ነበረ። 12ቈፅሉ ፅቡቕ ነበረ፤ ፍረኡ ኸዓ ንዅሉ ኽምግብ ዝኽእል ብዙሕ ነበረ። እንስሳ ዘገዳም ኣብ ትሕቲኡ የፅልሉ ነበሩ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብ ጨናፍሩ ጐጆአን ሰሪሐን ነበራ። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ድማ ኻብኡ ይምገብ ነበረ።
13“ኣብ መደቀስየይ ብባዕለይ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ወረደ። 14ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ። 15ግና ነቲ ጕማድ ምስ ሰራውሩ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብ ማእኸል ልምሉም ሳዕሪ በረኻ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ‘ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ብፅሒቱ ኣብ ውሽጢ ሳዕሪ ምድሪ ምስ ኣራዊት ይኹን። 16ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፤ ልቢ እንስሳ ኸዓ ይወሃቦ፤ ሸውዓተ ዓመት ድማ ይሕለፎ። 17እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’
18“ኣነ ንጉስ ናቡከደነፆር እቲ ዝረአኽዎ ሕልሚ እዙይ እዩ። ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ብልጣሶር፥ ንስኻ ግና፥ መንፈስ ናይቶም ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፥ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፥ ትርጕሙ ንገረኒ።”
ዳንኤል ሕልሙ ኸም ዝፈትሐሉ
19ሽዑ እቲ ብልጣሶር ዝስሙ ዳንኤል፥ ሓሳባቱ ስለ ዘጨነቖ፥ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓሰበ፤ ልቡውን ተሃወኸ። እቲ ንጉስ ድማ፥ “ብልጣሶር፥ እቲ ሕልሚ ኾነ ትርጕሙ ኣየጨንቕካ” በሎ።
ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን። 20እቲ የመና ዓቢይን ጠንኪሩን ዝረአኻዮ ኦም፥ ቁመቱውን ክሳዕ ሰማይ በፂሑ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን ዝተርኣየ፥ 21ቈፅሉ ዝፀበቐ፤ ፍረኡ ዝበዝሐ፥ ንዅሉ ዝኸውን፥ ምግቢ ዝነበሮ፥ ንኣራዊት በረኻ መፅለሊ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ጨናፍሩ ነዕዋፍ ሰማይ መስርሒ ጐጆ ዝነበሮን ኦም፥
22“ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ። 23ኦ ንጉስ፥ ንስኻ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኻ። ንሱ ኸዓ ‘ነታ ኦም ቍረፅዋን ኣብርስዋን፥ ግና ነቲ ጕንዲ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ በረኻ፥ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፤ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ዝሓልፎ፥ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ምስ እንስሳ በረኻ ኸዓ ኣብ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን’ እንትብል ዝረአኻዮ ራእይ፥
24“ኦ ንጉስ፥ ትርጕሙ እዙይ እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝወርድ፥ ትእዛዝ ልዑል እግዚኣብሄር እዩ። 25እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ። 26እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ምስ ሱሩ ኽተርፍ ምእዛዙ፥ ስልጣን ካብ ሰማይ ምዃኑ ምስ ተኣመንካ፥ ሽዑ መንግስትኻ ኸም እትምለሰልካ የመልክት። 27ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
28እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ናቡከደነፆር በፅሐ። 29ድሕሪ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ባቢሎን ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቲ ይመላለስ ነበረ። 30“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
31እዝ ቓላት እዙይ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ፦ “ኦ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ንኣኻ ተነጊሩካ እዩ፤ መንግስቲ ኻባኻ ተወሲዳ እያ። 32እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ ኽሳዕ እትፈልጥ፥ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም ብዕራይ ከዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ክትግደድ ኢኻ።”
33እቲ ዅሉ ዝተነግረ፥ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ተፈፀመ፤ ፀጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፥ ኣፅፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዝነውሕ፥ ካብ ሰብ ተፈልዩ ተሰጐጐ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
ናቡከደነፆር ንእግዚኣብሄር ከም ዘመስገነ
34እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ። 35እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
36“በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለሰለይ፤ መንግስተይውን ምስ ኵሉ ኽብሩን ግርማኡን ዕቤቱን ተመለሰለይ። መማኽርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ። ኣነ ኸዓ ኣብ መንግስተይ ፀናዕኹ፤ ካብቲ ናይ ቅድምውን ዝበለፀ ኽብሪ ተወሰኸለይ።
37“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”

Currently Selected:

ዳንኤል 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in