ዳንኤል 5
5
ኣብ መንደቕ ዝተፅሓፉ ቓላት
1ንጉስ ብልጣሶር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ። 2ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ። 3ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ፥ ኣቑሑ ወርቂ ኣምፅኡ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ከዓ፥ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ። 4ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።
5በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብ መንፅር እቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ኣፃብዕቲ ኢድ ሰብ ወፂአን ፀሓፋ። እቲ ንጉስ ነታ እትፅሕፍ ኢድ ረአያ። 6ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ። 7ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም። 8ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፤ ግና ነታ ፅሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸዓ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን። 9ሽዑ ንጉስ ብልጣሶር የመና ደንገፀ፤ ገፁ ተለወጠ፤ መኳንንቱውን ተጨነቑ።
10እታ ንግስቲ ኸዓ ድምፂ ንጉስን መኳንንቱን ሰሚዓ፥ ናብቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ኣዳራሽ ኣተወት። ንሳ ድማ፦ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፤ ገፅካውን ኣይለወጥ። 11መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ንሱ ብዘመን ኣቦኻ ምስትውዓልን ፍልጠትን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኸቦ። ኦ ንጉስ፥ ኣቦኻ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ዓዘምትን ከለዳውያን ሸሞ።” 12ኣብቲ እቲ ንጉስ፥ “ብልጣሶር” ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤል፥ ብሉፅ መንፈስን ፍልጠትን፥ ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላፅ ምስጢርን ምቕናዕ ዝተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ሕዚ እውን ዳንኤል ይፀዋዕ፤ ንሱ ነቲ ትርጒሙ ኸፍልጠካ እዩ በለቶ።
ዳንኤል ትርጉም እቲ ፅሑፍ ነቲ ንጉስ ከም ዝገለፀሉ
13ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዳንኤል “ካብቶም ኣቦይ ንጉስ፥ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም፥ ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ፥ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። 14“ኣነ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘለካ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብሉፅ ጥበብንውን ከም ዘለካ፥ ሰሚዐ ኣለኹ። 15ሕዚ ኸዓ ነዞም ጠቢባንን ፈላጣትን፥ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ኸንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኸፍልጡኒ፥ ናባይ ኣምፂኦምዎም ነይሮም፤ ግና ትርጕም እቲ ነገር ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን። 16ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ።
17ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ውህብቶኻ ንኣኻ ይኹን፤ ሽልማትካውን ንኻልእ ሃቦ። ኦ ንጉስ ነታ ፅሕፈት ግና ንኣኻ ንንጉስ ከንብበልካ፥ ትርጓሜኣውን ከፍልጠካ እየ።”
18“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ። 19ስለዙይ ብዕቤቱ፥ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሑን ነበሩ። ክቐትሎ ንዝደለየ ይቐትሎ፤ ብህይወት ክነብር ንዝደለዮ ይሓድጎ፤ ልዕል ከብሎ ንዝደለየ ልዕል የብሎ፤ ከዋርዶ ንዝደለየ የዋርዶ ነበረ። 20ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ። 21ጐይታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸም ዝሸመሉ ኽሳዕ ዘስተውዕል፥ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐጐ፤ ልቡ ኸዓ ኸም ናይ እንስሳ ኾነ፤ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።”
22“ንስኻ ብልጣሶር ወዱ ኸዓ፥ እዝ ዅሉ እናፈለጥካ፥ ልብኻ ኣየትሓትካን። 23እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን። 24ስለዙይ ከዓ እታ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዝፀሓፈት ኢድ ካብኡ ዝተልኣኸት እያ።
25“እዛ ፅሕፍቲ ኸዓ ‘ማኔ፥ ማኔ፥ ቴቄል ፋሬስ’ እትብል ፅሕፈት እያ። 26ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ። 27‘ቴቄል’ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ ማለት እዩ። 28‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።”
29ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ። 30በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ። 31ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።
Currently Selected:
ዳንኤል 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in