ዳንኤል 12
12
መወዳእታ ዓለም
1 #
ማቴ. 24፡21፥ ማር. 13፡19፥ ራእይ 7፡14፥ 12፡7። “በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ። 2#ኢሳ. 26፡19፥ ማቴ. 25፡46፥ ዮሓ. 5፡29። ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም። 3እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።
4 #
ራእይ 22፡10። “ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”
5ኣነ ዳንኤል ከዓ ጠመትኩ፤ እንሆውን፥ ክልተ ኻልኦት ሰባት፥ እቲ ሓደ ኣብ ነዘው ገምገም ሩባ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ንየው ገምገም ሩባ ደው ኢሎም ነበሩ። 6ሓደ ኻብኣቶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ሩባ ንዝነበረ፥ ልሕፂ እንጣጢዕ ንዝተኸደነ ሰብ “እዝ ዘደንቕ ነገር መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ?” በሎ።
7 #
ራእይ 10፡5፥ 12፡14። እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸድነን፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ሩባውን ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ፥ ንየማነይትን ፀጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ “ንዘመንን ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን እዩ። ነቲ ሓይሊ ምብታን እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክፍፀም እዩ” ኢሉ ብስም እቲ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣምላኽ፥ ክምሕል እንተሎ ሰማዕኽዎ።
8ሰማዕኹ ድማ፥ ግና ስለ ዘየስተውዓልኩ “ጐይታይ፥ ናይዝ ኵሉ መወዳእታ እንታይ እዩ?” በልኩ።
9ንሱውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዕፅውን ሕቱምን እዩሞ ኺድ። 10#ራእይ 22፡11። ብዙሓት ሰባት ሰብነቶም ከፅርዩን ከፃዕድውን ክነፅሩን፥ ኣበር ዘይብሎምውን ክኾኑ እዮም። እቶም ክፉኣት ግና፥ ብኽፍኣቶም ክፀንዑ እዮም። ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕልዎ፥ እቶም ለባማት ጥራሕ እዮም እምበር፥ እቶም ክፉኣት ኣየስተውዕልዎን እዮም።
11 #
ዳን. 9፡27፥ 11፡31፥ ማር. 13፡14። “እቲ መዓልታዊ መስዋእቲ ኻብ ዝተቛረፀሉን፥ እቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ዝትከለሉን ዘመን ጀሚሩ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ። 12እተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ኽሳዕ ዝሓልፋ፥ ዕጉስ ኮይኑ ዝፀንሕ ሰብ ምስጉን እዩ።
13“ንስኻ ግና ኽሳዕ መወዳእታ መንገድኻ ኺድ፤ ንስኻውን ክትዓርፍ ኢኻ፤ ግና ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣብ ዕፃ ኽፍልኻ ኽትቐውም ኢኻ።”
Currently Selected:
ዳንኤል 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: