YouVersion Logo
Search Icon

ዳንኤል 11

11
1“ኣነውን ዳርዮስ ሜዶናዊ ምስ ነገሰ በታ ቐዳመይቲ ዓመት፥ ንእኡ ንኽሕግዝን ንኸበርትዖን ቆይመ ነበርኩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ” በለኒ።
መንግስታት ግብፅን ሶርያን
2ሕዚ እውን ሓቁ እገልፀልካ ኣለኹ፦ “እንሆ ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትስኡ እዮም። እቲ ደድሕሪኣቶም ዝትስእ ራብዓይ ድማ ኻብ ኵላቶም ዝበለፀ ኽህብትም እዩ። ብሃብቲ ምስ በርትዐ ድማ፥ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግሪክ ከተስኦም እዩ።
3“ድሕሪኡ ዓብዪ ግዝኣት ዝገዝእን፥ ኵሉ ዝደለዮ ዝገብርን፥ ብርቱዕ ንጉስ ክትስእ እዩ። 4ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ።
5“እቲ ንጉስ ደቡብ የመና ኽብርትዕ እዩ። ሓደ ኻብ ኣሕሉቑ ኸዓ፥ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ክኸውን እዩ። 6ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ሓድነት ክፈጥሩ እዮም፤ ጓል እቲ ንጉስ ደቡብ፥ ስምምዕ ንምግባር፥ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመፅእ እያ፤ ግና ሓይሊ ቕልፅማ ኣይፀንዕን፤ ንሱን ቅልፅሙንውን ኣይፀንዕን፤ ንሳን እቶም ዘምፅእዋን፥ እቲ ዝወለዳን፥ እቲ በቲ ጊዜ እቱይ ዝደገፋን፥ ሓሊፎም ክወሃቡ እዮም። 7ካብ ሱራ ዝወፀ ውልዶ፥ ኣብ ስፍራኡ ኽለዓል እዩ፤ ንሰራዊት ንጉስ ሰሜን ክወግኦም፥ ኣብ ዕርዶም ኣትዩ ድማ ኽስዕሮም እዩ። 8ንኣማልኽቶም፥ ምስ ናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፥ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑኦም ማሪኹ፥ ናብ ግብፂ ኽወስዶ እዩ። ንቑሩብ ዓመታት ከዓ፥ ምስ ንጉስ ሰሜን እንተይተዋግአ ኽቕመጥ እዩ። 9ንሱውን ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ።
10“ደቁ ንውግእ ክዳለዉ፥ ብዙሕ ሰራዊትን ህዝብን ክእክቡ እዮም። ሓደ ኻብኣቶም ድማ ቐልጢፉ ኽመፅእ፥ ከም ውሕጅ ውሒጁ ኽሓልፍ ተመሊሱውን ክሳዕ እምባኡ ኽዋጋእ እዩ። 11ንጉስ ደቡብ ኽቝጣዕ እዩ፤ ወፂኡውን ምስ ንጉስ ሰሜን፥ ክዋጋእ ኢሉውን ብዙሕ ህዝቢ ኸኽትት እዩ። እቶም ህዝቢ ሓሊፎም፥ ኣብ ኢዱ ክወሃቡ እዮም። 12ነቶም ህዝቢ ክወስዶም እዩ፤ ልቡ ኸዓ ኽዕበ እዩ፤ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ፤ ግና ኣየሸንፍን።
13“እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ፥ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሕ ህዝቢ እውን ንውግእ ከኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ድማ፥ ምስ ብዙሕ ሰራዊትን ሃብትን ክመፅእ እዩ። 14በቲ ዘመን እቱይ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ብዙሓት ክለዓሉ እዮም። ካብ ማእኸል ህዝብኻ ደቂ ዓመፀኛታት ነቲ ራእይ ከፅንዑ ኽትስኡ እዮም፤ ግና ኽወድቁ እዮም። 15ንጉስ ሰሜን ክመፅእ እዩ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸዓ ሓመድ ክድልድልን ክሕዛን እዩ፤ እቶም ናይ ደቡብ ሰራዊት ኣይዋግኡን እዮም፤ እቶም ሕሩያቶም እኳ፥ ንምቅዋም ዝኸውን ሓይሊ የብሎምን። 16እቲ ዝመፀ ግና ኸም ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውምውን የለን። ንሱ ኣብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽቐውም እዩ። ብኢዱውን ብዙሕ ጥፍኣት ክኸውን እዩ።
17“ምስ ኵሉ ሓይሊ መንግስቱ ገፁ ኸፅንዕ ክመፅእ እዩ። ምስኡውን ሓድነት ክገብር እዩ፤ ምእንቲ ኸርክሳ ጓል ኣንስተይቲ ኽህቦ እዩ። ንሳውን ኣይትፀንዕን፤ ንእኡውን ኣይትኸውንን እያ። 18ድሕሪዙይ ናብተን ደሴታት ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ንብዙሓት ከዓ ኽሕዘን እዩ። ሓደ ሓለቓ ግና ነቲ ፀርፉ ኸወግዶ እዩ፤ ናብ ባዕሉውን ክመልሰሉ እዩ። 19ናብ እምባታት ሃገሩውን ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ግና ተሰናኺሉ ኽወድቕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይርከብን እዩ።
20“እቲ ብእኡ ዝትካእ፥ ክብሪ መንግስቱ ንምሕላው፥ ግብሪ ዘገብሩ ኽልእኽ እዩ፤ ይኹን እምበር ብቝጥዓ ወይ ብውግእ እንተይኮነ፥ ኣብ ውሽጢ ቑሩብ መዓልቲታት ክጠፍእ እዩ።”
ጨካን ንጉስ ሰሜን
21“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ። 22እቲ ዝውሕዝ ሰራዊትውን ካብ ቅድሚኡ ኽውሰድ እዩ፤ ንሱን ሓለቓ ቃል ኪዳኑን፥ ክስበሩ እዮም። 23ምስኡ ስምምዕ ምስ ገበረ፥ ብተንኰል ስራሑ ኽሰርሕ እዩ። ምስ ውሑዳት ሰባት ወፂኡ ድማ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ። 24ቀስ ኢሉ ድማ፥ ናብተን ልምሉማት ክፍልታት እታ ሃገር ክኣቱ እዩ፤ ኣቦታቱን ኣቦ ሓጐታቱን እኳ፥ ከቶ ዘይገበርዎ ኽገብር እዩ። ነቲ ዅሉ ኣብ ውግእ ዝማረኾን ዝዘመቶን ሃብቲ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ክብትኖ እዩ፤ ነተን ፅኑዓት ከተማታት ክዋግአን መደብ ከውፅእ እዩ። እዙይውን ንቑሩብ ጊዜ እዩ።
25“ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ፥ ብዓብዪ ሓይልን ትብዓትን ክለዓል እዩ። ንጉስ ደቡብ ከዓ፥ ዓቢይን ብርቱዕን ሰራዊት ኣኽቲቱ ኽዋግኦ እዩ። ግና ኻብቲ ዝተፍሓሰሉ ሻራ ዝተልዓለ ኽቐውም ኣይኽእልን እዩ። 26እቶም ኣብ ማእዱ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ ከጥፍእዎ ኸሻርዉ እዮም፤ ካብ ሰራዊቱ ኽውሕጅ እዩ፤ ብዙሓትውን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም። 27ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም ክፉእ ክሓስቡ፥ ኣብ ሓንቲ ማእዲ ሓቢሮም ክቕመጡ እዮም፤ ንስንሳቶም ድማ ሓሰት ክዛረቡ እዮም። ግና እቲ ዝተመደበ ጊዜ ስለ ዘይበፅሐ፥ ኣይሰምረሎምን እዩ። 28ንጉስ ሰሜን፥ ምስ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ። ልቡውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ክኸውን እዩ፤ ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ናብ ምድሩ ኸዓ ኽምለስ እዩ።
29“በታ ምድብቲ ጊዜ ተመሊሱ ናብ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና በዝ ጊዜ እዙይ እቲ ዳሕረዋይ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኸውንን እዩ። 30መራኽብ ኪቲም ክመፃኦ እየንሞ፥ ሓዚኑ ኽምለስ እዩ።
“ሽዑ ቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ከውርድ እዩ። ነቶም ነቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ዝሓደጉ ድማ ኽሰምዖም እዩ። 31#ዳን. 9፡27፥ 12፡11፥ ማቴ. 24፡14፥ ማር. 13፡14። እቶም ሰራዊት ምስኡ ኽቖሙ እዮም፤ መቕደስን ቅፅሩን ድማ ኸርክሱ እዮም፤ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እውን ከውግዱ እዮም፤ ነቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ከቑሙ እዮም። 32እቶም ነታ ኺዳን ዝጠለሙ፥ እናታለለ ኸስሕቶም እዩ፤ እቶም ንኣምላኾም ዝፈልጡ ህዝቢ ግና፥ ክብርትዑን ከስልጡን እዮም። 33እቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ዘለዉ ጥበበኛታት፥ ዝኾኑ ሰባት ንብዙሓት ክምህሩ እዮም። ግና ንቑሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ሓዊን ብምርኮን ብዘመተን ክወድቑ እዮም። 34ክወድቑ እንተለዉ ውሑድ ሓገዝ ክረኽቡ እዮም፤ ግና ብዙሓት ብግብዝና ኽተሓባበርዎም እዮም። 35ክሳዕ ፍፃመ ዘመን፥ ምእንቲ ዝፀረዩን ዝነፀሩን ኣበር ዘይብሎምን ክኾኑ፥ ካብቶም ጠቢባን ሓድሓደ ኽወድቑ እዮም፤ እቲ ውሱን ጊዜ ገና ኣይበፅሐን እዩ።
36 # 2 ተሰ. 2፡3-4፥ ራእይ 13፡5፥6። “እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ። 37ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኽብሪ ኣይህብን፤ ነቲ ኣንስቲ ዝደልያኦ ኣይግደሰሉን። ንባዕሉ ልዕሊ ዅሉ ገይሩ ስለ ዝሓስብ፥ ኣምላኽ ንዝኾነ ዅሉ ኣየኽብርን። 38ክንድኡ ንኣምላኽ እምባታት ከኽብር እዩ፤ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብክቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቑሑን ከኽብሮ እዩ። 39ብባዕዲ ኣምላኽ ተሓጊዙ፥ ነተን ፅኑዓት እምባታት ከምዙይ ክገብረን እዩ፤ ነቶም ንእኡ ዝግዝኡሉ፥ ክብሪ ኸብዝሐሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓትውን ከግዝኦም እዩ። ከም ዓስቢ ኸዓ፥ ነታ ምድሪ ክኸፋፍላ እዩ።
40“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ። 41ናብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽኣቱ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ኽወድቃ እየን፤ ግና ኤዶምያስን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ኣሞንን፥ ካብ ኢዱ ኸምልጡ እዮም። 42ኣብ ልዕሊ ሃገራት ድማ ኢዱ ኽዝርግሕ እዩ። ሃገር ግብፂውን ኣይተምልጥን እያ። 43ንሱ ኣብቲ መዛግብቲ ወርቅን ብሩርን ክቡር ኣቕሓ ግብፅን ክስልጥን እዩ። ሊብያን ኢትዮጵያን ከዓ ኽስዕብዎ እዮም። 44ግና ኻብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዝመፅእ ወረ ኸሸብሮ እዩ እሞ፥ ንብዙሓት ከጥፍእን ከፅንትን፥ ብዓብዪ ቝጥዓ ኽወፅእ እዩ። 45ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ዝኸበረ ቅዱስ እምባን፥ ድንኳን ቤተ መንግስቱ ኽተክል እዩ። ግና ናብ ፍፃሜኡ ኽበፅሕ እዩ፤ ዝሕግዞውን የብሉን።”

Currently Selected:

ዳንኤል 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in