ሆሴዕ መእተዊ
መእተዊ
ብ721 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፥ ሰማርያ ቕድሚ ምውዳቓ፥ ድሕሪ ነቢይ ኣሞፅ፥ ኣብ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል፥ ነቢይ ሆሴዕ ይሰብኽ ነበረ። እቲ ዘመን እቱይ ዘመን ህውከት ነበረ። እቶም ህዝቢ ንኣምልኮ ጣዖት ብምስዓቦምን፥ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዝነበሮም እምነት ድማ ብምሕዳጎምን፥ ሆሴዕ ብምሉእ ሓይሉ ይግስፆም ነበረ።
ሆሴዕ፥ ብዛዕባ ምጕዳል እምነት ክዛረብ እንተሎ፥ ነቲ ምስ ሓንቲ ኣመንዝራ ዝገበሮ መርዓ ምስላ ገይሩ ይገልፆ። ከምቲ ሰበይቱ ጎሜር ዝጠለመቶ፥ ከምኡ ድማ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝኸሓድዎ ይገልፅ። ብሰንኪ እዝ ኽሕደት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ፍርዲ ኸም ዝመፅእ፥ ግና ኣብ መወዳእታ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ብዝገብሮ ዓብዪ ምሕረት፥ ንህዝቡ ናብኡ ከም ዝመልሶም፤ ነቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ርክብ ከዓ ኸም ዝሕድሶ ይነግር። እዝ ምሕረት እዙይ በቲ ኣብ ምዕራፍ 11፡8 “ኦ ኤፍሬም፥ ከመይ ገይረ ኽሓድገካ? ኦ እስራኤል ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ? ኸመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽገብረካ? ኸመይከ ኸም ሲባዮ ኽፍፅመልካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤ ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ” ብዝብል ተገሊፁ ኣሎ።
ትሕዝቶ
1. ብዛዕባ መርዓ ሆሴዕን ስድራኡን 1፡1-3፡5
2. ንእስራኤል ዝተውሃበ ወቐሳ 4፡1-13፡16
3. ቃል ነስሓን መብፅዓን 14፡1-9
Currently Selected:
ሆሴዕ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: