ኣሞፅ 9
9
ፍርዲ እግዚኣብሄር
1ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ። 2ናብ ሲኦል እንተ ወረዱኳ፥ ኢደይ ካብኡ ኽተውፅኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፥ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ። 3ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ። 4ብኢድ ፀላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱውን፥ ኣብኡ ንሰይፊ ኽእዝዝ እየ፤ ንሱውን ክቐትሎም እዩ፤ ዓይነይ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ናብኣቶም ክገብር እየ።”
5ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ንምድሪ ይድህስሳ፥ ንሳ ኸዓ ትመክኽ፤
ኵላቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ይበኽዩ፤
ብምልእታ ኸም ፈለግ ግብፂ ትለዓል፤
ከም ፈለግ ግብፂውን ትወርድ።
6ንሱ ነደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሐ፥
ንጠፈር ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፥
ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥
ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ ንሱ እዩ፤
ስሙውን እግዚኣብሄር እዩ።
7“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩምን? ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ከፍቶር፥ ንሶርያውያን ከዓ ኻብ ቂር ዘውፃእኽዎም ኣነዶ ኣይኮንኩን? 8እንሆ፥ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሓጥእ ዝኾነት መንግስቲ እየን፤ ካብ ገፅ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍኣ እየ። ግና ንዘርኢ ያእቆብ ፈፂመ ኣየጥፍኦን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
9“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። 10እቶም ‘ክፉእ ኣይረኽበናን እዩ፤ ኣይበፅሐናንውን’ ዝብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ፥ ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም።”
ምምላስ ህዝቢ
11“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ። 12#ግ.ሓ. 15፡16-18። እዙይውን እቶም ኣብ ኤዶምያስ ዝተረፉን፥ እቶም ስመይ ዝተፀውዖም ኵሎም ኣህዛብን ምእንቲ ኽወርሱ እዩ” ይብል እቲ ነዙይ ዝገብር እግዚኣብሄር።
13እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“እንሆ፥ እቲ ሓረስታይ ንዓፃዳይ፥
እቲ ፀማቚ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበለን፥ መዓልቲታት ክመፃ እየን።
እምባታት ከዓ ዀልዒ ወይኒ ኸንጠብጥቡ እዮም፤
ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም።
14ኣነ ኸዓ ናይ ህዝበይ እስራኤል ምርኮ ኽምልስ እየ፤
ንሳቶም ድማ ነተን ዝዓነዋ ኸተማታት ክሃንፅወንን ክነብሩለንን እዮም።
ወይኒ ኽተኽሉ፥ ወይኑውን ክሰትዩ እዮም፤
ኣታኽልቲ ኽተኽሉ እዮም፤ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።
15ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፤
ድሕሪዙይ ከዓ ኻብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸቶ ኣይንቀሉን፤
ይብል ኣምላኽካ እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኣሞፅ 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in