እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“እንሆ፥ እቲ ሓረስታይ ንዓፃዳይ፥
እቲ ፀማቚ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበለን፥ መዓልቲታት ክመፃ እየን።
እምባታት ከዓ ዀልዒ ወይኒ ኸንጠብጥቡ እዮም፤
ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም።
ኣነ ኸዓ ናይ ህዝበይ እስራኤል ምርኮ ኽምልስ እየ፤
ንሳቶም ድማ ነተን ዝዓነዋ ኸተማታት ክሃንፅወንን ክነብሩለንን እዮም።
ወይኒ ኽተኽሉ፥ ወይኑውን ክሰትዩ እዮም፤
ኣታኽልቲ ኽተኽሉ እዮም፤ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።