2ይ ሳሙኤል 24
24
ዳዊት ምቝፃር ህዝቢ ኸም ዝኣዘዘ
(1 ዜና. 21፡1-27)
1ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ።
2ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን “ቍፅሪ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዘይርኩም ቍፀርዎም” በሎም።
3ኢዮኣብ ድማ ንንጉስ “ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ እናረአየ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሚእቲ ሻዕ የብዝሓዮ፤ ግና፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ክትገብሮ ደለኻ?” በሎ።
4ግና ቓል ንጉስ፥ ኣብ ኢዮኣብን ኣብ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኣሸነፈ፤ ኢዮኣብን ኣሕሉቕ ሰራዊቱን ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወፁ።
5ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፥ ኣብታ ኣብ ምድሪ ጋድ፥ ኣብ ማእኸል ለሰ ዘላ ብየማን ከተማ ኢያዜር ኣብ ኣሮዔር ሰፈሩ። 6ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ። 7ካብኡ ናብ ደቡብ ሓሊፎም ናብታ ዕርድቲ ኸተማ ጢሮስ ከዱ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኵለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነዓናውያንን ከዱ። ናብ ደቡብ ይሁዳ ዘላ ቤርሳቤህ እትብሃል ድማ በፅሑ።
8ስለዙይ ንዅላ እታ ሃገር ዘይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
9ኢዮኣብ ድማ ፀብፃብ እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንንጉስ ኣቕረበ፦ ተዋጋእቲ ሰባት ኣብ እስራኤል ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ሰባት ነበሩ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ነበሩ።
10ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈፀሮ ግና ሕሊናኡ ወቐሶ። ንእግዚኣብሄር ድማ “በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፤ እዝ ዝገበርክዎ ዓብዪ በደል እዩ እሞ፥ ሕዚ ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ንኣይ ንባርያኻ በደለይ ይቕረ በለለይ” በሎ።
11ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ 12“ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።
13ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ “ኣብ ሃገርካ ሰለስተ #24፡13 ሰለስተ፦ ዕብራይስጢ “ሸውዓተ” ይብል። ዓመት ጥሜት ክመፀካዶ? ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ኽትሃድም፥ ንሳቶም ከሳጕጉኻዶ? ወይ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ክኸውን ትመርፅ? ነቲ ዝለኣኸኒ ኽምልሰሉስ ኣስተውዒልካ ምረፅ” በሎ።
14ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ።
15እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ። 16እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፥ እግዚኣብሄር በቲ ጥፍኣት ሓዚኑ፥ ነቲ ህዝቢ ዘጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ፥ “ደጊም ይኣኽለካ፤ ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ነበረ።
17ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝቐስፍ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፥ ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ እየ ዝበደልኩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም እንታይ ገበሩ? ኢድካ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ኸትከውን እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
ዳዊት መሰውኢ ኸም ዝሰርሐ
18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ጋድ ናብ ዳዊት መፂኡ “ናብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ኺድ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መሰውኢ ስራሕ” በሎ። 19ዳዊት ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝኣዘዞ ኸደ። 20ኦርና ኸዓ ንጉስን ኣሕሉቑን ናብኡ ኽመፁ እንተለዉ ረአየ፤ ወፂኡ ኸዓ ብገፁ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።
21ኦርና ድማ “ጐይታይ ንጉስ! ናባይ ናብ ኣገልጋሊኻ ስለ ምንታይ መፃእኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እዝ መቕሰፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኽኽልከል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ ኻባኻ ኽዕድግ እየ መፂአ” በሎ።
22ኦርና ድማ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ወሲድካ ኣቕርብ። ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ኣብዑር፥ ንዝነድድ ዕንፀይቲ፥ ሰረገላታትን መሳርሒ ማሕረስን እንሆ” በሎ። 23ኦርና ድማ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ደኣ ይቀበለልካ እምበር እዝ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
24ንጉስ ግና ንኦርና “ኣይፋልካን ዋጋ ዘይከፈልኩሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ እሞ፥ ብዋጋኡ ደኣ ሽጠለይ” በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ቕርሺ ብሩር ዓደጎም። 25ዳዊት ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናንውን ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመኖ ሰምዐ፤ እቲ መቕሰፍቲ እውን ካብ እስራኤል ተኸልከለ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: