2ይ ሳሙኤል 23
23
መወዳእታ ዘረባ ዳዊት
1መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዙይ እዩ፤
እቲ ልዕል ልዕል ዘበሎ ሰብ፥
እቲ ኣምላኽ ያእቆብ ዝቐብኦ፥
እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ዝኾነ፥
ዳዊት ወዲ እሴይ ዝተዛረቦ እዙይ እዩ።
2“መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፤
ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ።
3ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤
እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤
እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥
እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥
4ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥
ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥
ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል፥
ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኸም ዝረአ፥
ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
5ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን?
ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥
ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤
ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
6ኵሎም እቶም ዓመፀኛታት ሰባት ግና፥
ከምቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሓዝ፥
ዝተድርበየ እሾዅ እዮም።
7ዝኾነ ሰብ ክነኽኦ እንተ ደለየ ግና፥
ብኢዱ ሓፂንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፤
ኣብቲ ዘለውዎ ብስራሖም ድማ ፈፂሞም ብሓዊ ይነዱ።”
ጀጋኑ ሓሻኽር ዳዊት
(1 ዜና. 11፡10-41)
8ስም እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ እዩ፦ ኢያቡስቴ ዝበሃል ከነዓናዊ፥ ርእሲ እቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ፤ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።
9ብድሕሪኡ ኸዓ ኤልያና ወዲ ዶዶ ኣሖሓዊ እዩ። ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ፤ ንሳቶም ነቶም ክዋግኡ ኣብኡ ዝተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን እናላገፁ ምስ ኣለዓዓልዎም እቶም ሰብ እስራኤል ኣድሐርሐሩ። 10ንሱ ግና ተሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፥ ኣብታ ሰይፊ እውን ክሳዕ እትለግብ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ዓወት ከም ዝረኽቡ ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ምርኮ ኽገፉ ጥራሕ ደድሕሪኡ ተመለሱ።
11ሳልሳዮም ከዓ ሳማ ወዲ ኣጌ ኣሮዳዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ሓደ ጭፍራ ኾይኖም ኣብ ሓንቲ ሌሒ እትበሃል ብርስን ኣብ ዝመልአት ግራት ተኣከቡ። እስራኤላውያን ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። 12ንሱ ግና ኣብ ማእኸል እታ ግራት ቆይሙ ተፀበየ፤ ንፍልስጥኤማውያን ከዓ ሰዓሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ።
13ብጊዜ ዓፂድ ድማ ኻብቶም ሰላሳ ኣሕሉቕ ሰለስተ ወሪዶም ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መፁ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ። 14ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ። 15ዳዊት ድማ፥ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ኮን ማይ መስተየኒ?” በለ። 16ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዒላ ቤተ ልሔም፥ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ይኹን” ኢሉ ኣፍሰሶ እምበር፥ ክሰትዮ ኣይደለየን። 17“ኦ እግዚኣብሄር፥ ነዙይስ ኣይሰትዮን እየ፤ እዙይ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢፆም ዝኸዱ ሰባት ምስታይ እዩ” በለ። ስለዙይ ምስታይ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ ዓበይቲ ተግባራት እዙይ ነበረ።
18ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ፥ ነቶም ሰላሳ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ኲናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ቐተለ። ስሙ ኸዓ ከምቶም ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ #23፡18 ሰለስተ፦ ገሊኡ ብራናታት “ሰላሳ” ይብል። ግኑን ነበረ። 19ንሱ ኻብቶም ሰላሳ #23፡19 ሰላሳ፦ ገሊኡ ብራናታት “ሰለስተ” ይብል። ድማ ዝኸበረ ነበረ፥ ስለዙይ ሓለቓኦም ኮነ፤ ግና ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ኣይበፅሐን።
20በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ፥ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ በዓል ቀብፅኤል፥ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሐ ነበረ፤ ንሱ ነቶም ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፤ በረድ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ እውን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። 21ከምኡ ድማ ንሓደ ምርኡይ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተለ። እቲ ግብፃዊ ዂናት ብኢዱ ሒዙ ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፤ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ፥ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ። 22በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ፤ ንሱ ኸምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ። 23ካብቶም ሰላሳ ንላዕሊውን ይኸብር ነበረ፤ ከምቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይኮነን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ ናይ ክብሪ ዘብዐኛታቱ ሸሞ።
24ካብቶም ሰላሳ እቶም ዝተረፉ እዚኣቶም እዮም፦
ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ኣብ ማእኸል እቶም ሰላሳ ነበረ፤ ኤልያናን፥ ወዲ ዱዲ ኻብ ቤተልሔም፥
25ሳማ በዓል ኣሮዳ፥ ኤሊቃ በዓል ሓሮዳ፥
26ሴሌስ በዓል ፈልጣ፥
ዒራስ ወዲ ዒቄሽ ቆዓ፥
27ኣቢዔዘር በዓል ኣናቶት፥
ምቡናይ በዓል ኩሳታ፥
28ፀልሞን በዓል ኣሖሓ፥
ኖኤሬ በዓል ነጦፋ፥
29ሔሌብ፥ ወዲ በዓና በዓል ነጦፋ፥
ኢታይ፥ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም፥
30በናያስ በዓል ጲርዓቶን፥
ሂዳይ ካብ ሩባታት ገዓስ፥
31ኣቢዓልቦን በዓል ዓረባ፥
ዓዝሞት በዓል በርሑማ፥
32ኤልያሕባ በዓል ሸዓልቦና፥
ደቂ ኣሳን፥ ዮናታን
33ሳማ በዓል ኣሮዳ፥
ኣምናን፥ ወዲ ኣራር በዓል ኣሮዳ፥
34ኤሌፋላት፥ ወዲ ኣሓስባይ በዓል ማዕካታ፥
ኤልያብ ወዲ ኣኪጦፌል፥ በዓል ጊሎና፥
35ሓፅሮ በዓል ቀርሜሎስ፥
ፈዓራይ በዓል ኣርባ።
36ይግዓል ወዲ ናታን ካብ ሱባ፥
ባኒ በዓል ጋድ፥
37ፄሌቅ በዓል ኣሞን፥
ነሓራይ በዓል ብዔሮት፥ ተሸካሚ ኣፅዋር ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ።
38ዒራስ በዓል ይትራዊ፥
ጋሬብ በዓል ይትራዊ፥
39ኦርዮ በዓል ኬጢያ፤
ኵሎም ሰላሳን ሸውዓተን እዮም።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in