1ይ ነገስት መእተዊ
መእተዊ
ቀዳማይ መፅሓፈ ነገስት መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ክልቲኡ መፅሓፈ ሳሙኤል ተጀሚሩ ዝነበረ ታሪክ መንግስቲ እስራኤል እዩ። እዙይ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ኽኽፈል ይከኣል።
1. ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ተተኪኡ ናይ እስራኤልን ናይ ይሁዳን ንጉስ ከም ዝኾነ፥ ከምኡውን ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ዳዊትን፥
2. ብዛዕባ መንግስቲ ሰሎሞንን ምዕባለኡን፥ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሃነፆ ቤተ መቕደስን ዝነግር ታሪክ እዩ፥
3. እስራኤል፥ መንግስቲ ሰሜንን መንግስቲ ደቡብን ተብሂላ ኣብ ክልተ ኸም ዝተመቐለት፥ ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ክሳዕ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብኣ ዝነገሱ ነገስታት፥ ዝነግር እዩ።
ኣብዘን ክልተ መፃሕፍቲ ነፍሲ ወከፍ መራሒ ብመጠን እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዎ እምነት ክፍረድ ይረአ። ከምኡውን ምዕባለ እታ ሃገር ብመጠን እምነት እቲ ንጉስ ይልካዕ ነበረ። ኣምልኾ ጣዖትን ዘይምእዛዝን ግና ናብ ጥፍኣት ይመርሖም ነበረ።
ነገስታት መንግስቲ ሰሜን ብምሉኦም ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቑ፥ ብዛዕባ ነገስታት ይሁዳ ግና ገሊኣቶም ክፉኣት፥ ገሊኣቶም ድማ ሕያዎት ከም ዝነበሩ የዘንቱ።
ኣብ ቀዳማይ መፅሓፈ ነገስት እቶም ፍሉጣት፥ እቶም ናይ እግዚኣብሄር ነቢያት እዮም። ንሳቶም ነቶም ህዝቢ፥ ጣዖታት ከየምልኹን ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ከይኣብዩን ዘጠንቅቕዎም ተባዓት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ነበሩ። ካብዚኣቶም የመና ውሩይ ዝነበረ ኤልያስ እዩ። እቲ ምስ ካህናት በዓል ዝገበሮ ኽርክር ኣብ ምዕራፍ 18 ተገሊፁ ኣሎ።
ትሕዝቶ
1. መወዳእታ መንግስቲ ዳዊት 1፡1-2፡12
2. ሰሎሞን ከም ዝነገሰ 2፡13-46
3. መንግስቲ ሰሎሞን 3፡1-11፡43
1) ፈለማ ዓመታት 3፡1-4፡34
2) ህንፃ ቤተ መቕደስ 5፡1-8፡66
3) መወዳእታ ዓመታት 9፡1-11፡43
4. ዝተመቕለ መንግስቲ 12፡1-22፡53
1) ኣብ ሰሜን ዝነበራ ነገዳት ከም ዝዓመፃ 12፡1-14፡20
2) ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን 14፡21-16፡34
3) ነቢይ ኤልያስ 17፡1-19፡21
4) ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል 20፡1-22፡40
5) ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ኣካዝ ንጉስ እስራኤልን 22፡41-53
Currently Selected:
1ይ ነገስት መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: