YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 22

22
ናይ ዳዊት ናይ ምስጋና መዝሙር
(መዝ. 18)
1ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሓነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመረ። 2ከምዙይ ከዓ በለ፦
“እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ።
3እግዚኣብሄር ሓላዊየይ እዩ፤ ብእኡውን እእመን ኣለኹ።
ዋልታይን ቀርኒ ረድኤተይን፥
መፀግዒየይን መሕብኢየይን እዩ።
ኦ መድሓኒየይ! ካብ ተግባር ግፍዒ ተድሕነኒ ኢኻ።
4ነቲ ኽውደስ ዝግብኦ እግዚኣብሄር እፅውዕ፤
ካብ ፀላእተይ ከዓ ኽድሕን እየ።”
5ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤
ወሓይዝ ዓመፃ ኣፍርሐኒ፤
6ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤
መፈንጠሪታት ሞት መፀኒ፤
7ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹ፤
ናብ ኣምላኸይ ከዓ ኣእወኩ፤
ቃለይ ድማ ኻብ መቕደሱ ሰምዐ፤
ኣውያተይውን ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በፅሐ።
8ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን፤
መሰረታት ሰማይ ተናወፁ፤
እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ኣንቀጥቀጠ፤
9ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤
ካብ ኣፉ ድማ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤
ፍሕሚውን ካብኡ በርሀ።
10ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤
ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
11ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤
በኽናፍ ንፋስ ከዓ ተርኣየ።
12መሰወሪኡ ፀልማት፥
ማይ ዝተፅዓነ ኸቢድ ደመና ኸዓ ኸበቦ።
13ካብ ነፀብራቕ ገፁ ዝተልዓለ፥ ፍሕሚ ነደደ።
14እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤
እቲ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።
15ፍላፃታት ወርዊሩ ንፀላእቱ በተኖም፤
መባርቕቱ ለኣኸ ሃወኾምውን።
16ካብ ተግሳፅ እግዚኣብሄር፥
ካብ መንፈስ እስትንፋስ መዓቱ ዝተልዓለ፥
መዓሙቝ ባሕሪ ተርኣየ፤
መሰረታት ዓለምውን ተቐልዑ።
17ካብ ኣርያም ሰዲዱ ወሰደኒ፤
ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።
18ካብቶም ካባይ ዝሕይሉ ፀላእተይ፥
ካብቶም ዝፀልኡኒ ብርቱዓት ፀላእተይ ኣናገፈኒ።
19ብመዓልቲ መከራይ መፁኒ፤
ግና እግዚኣብሄር ደገፍ ኮነኒ።
20ናብ ገፊሕ ኣውፅአኒ፤
ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ።
21እግዚኣብሄር ከም ፅድቀይ ይፈድየኒ፤
ከም ንፅህና ኣእዳወይውን ይምልሰለይ።
22መንገዲ እግዚኣብሄር ሓልየ እየሞ፥
ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
23ኵሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፤
ካብ ስርዓቱውን ኣይረሓቕኩን እሞ።
24ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤
ካብ በደልውን ንርእሰይ ዓቀብኩ፤
25ስለዙይ እግዚኣብሄር ከም ቅንዕናይን፥
ከም ንፅህና ኢደይን፥
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ፈደየኒ።
26ምስ ፃድቅ፥ ፃድቅ ኴንካ ትርከብ፤
ምስ ቅኑዕ፥ ቅኑዕ ኾይንካ ትርከብ፤
27ምስ ንፁህ፥ ንፁህ ኾይንካ ትርከብ፤
ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ኴንካ ትርከብ።
28ንስኻ ንዝተጠቕዑ ህዝቢ ተድሕን ኢኻሞ፤
ንዓይኒ ዕቡያት ግና ተዋርዶ።
29ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ኢኻ፤
እግዚኣብሄር ንፀልማተይ የብርሆ።
30ብናትካ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ እጐዪ እየሞ፤
ብኣምላኸይውን ንዕርዲ እዘሎ።
31መንገዲ ኣምላኽይ ፍፁም እዩ፤
ቃል እግዚኣብሄር ተፈቲኑ ዝፀረየ እዩ፤
ንሱ ነቶም ኣብኡ ዝዕቈቡ ዅሎም፥ ዋልታኦም እዩ።
32ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ?
ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ?
33ሓይሊ ዘዕጥቐኒ እግዚኣብሄር እዩ፤
ንመንገደይውን የቕንዖ።
34ንሱ ነእጋረይ ከም እግሪ እራብ ኣደልደለን፤
ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ እግዚኣብሄር እዩ። #እንባ. 3፡19።
35ነእዳወይ ውግእ፥
ንቐላፅመይ ከዓ ቐስቲ ነሃስ ምግታር መሃረን።
36ዋልታ ምድሓንካ ሃብካኒ፤
ተግሳፅካውን ኣዕበየኒ።
37ስጓመይ ብትሕተይ ኣስፋሕኻ፤
ኣእጋረይውን ኣየንደልሃፃን።
38ንፀላእተይ ኣሳጐጕኩዎም፥ ኣጥፋእኹዎምውን፤
ክሳዕ ዝውድኦም ከዓ ኣይተመለስኩን።
39ከም ዘይትስኡ ገይረ ፈፂመ ወዳእኹዎም፤
ተስዒሮም ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።
40ንውግእ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፤
ኣብ ልዕለይ ንዝቖሙ ፀላእተይ፥ ኣብ ትሕተይ ኣግዛእኻዮም።
41ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤
ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኹዎም።
42ኣእወዩ፤ ዝረድኦም ግና ኣይነበረን፤
ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤
ንሱ ግና ኣይሰምዖምን።
43ከም ሓመድ ምድሪ ጠሓንኩዎም፤
ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤
44ካብ ክርክር ህዝቢ ተድሕነኒ፤
ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፤
ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ይግዝአኒ።
45ደቂ ባዕዲ ይግዝኡኒ፤
ብእዝኒ ሰሚዖም ይእዘዙኒ።
46እቶም ደቂ ጓና እናጠፍኡ ይኸዱ፤
ካብቲ ዝተዓፀዉሉ እናንቀጥቀጡ ይወፁ።
47እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤
እቲ ሓላዊየይውን ይባረኽ፤
እቲ እምባ ምድሓነይ ዝኾነ ኣምላኽ ልዕል ልዕል ይበል።
48ንሱ ሕነይ ዝፈድየለይ ኣምላኽ እዩ፤
ነህዛብ ኣብ ትሕተይ የግዝኦም፤
49ካብ ፀላእተይ ዘውፅአኒውን ንሱ እዩ፤
ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተልዓሉ ፀላእተይ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤
ካብ ገፋዕቲውን ተናግፈኒ ኢኻ።
50ስለዙይ ኦ ጐይታ! ኣብ ማእኸል ኣህዛብ አመስግነካ፤
ንስምካውን እዝምር ኣለኹ። #ሮሜ 15፡9።
51ንመድሓኒት ንጉስ ዓባይ ዝገብራ ንሱ እዩ፤
ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ዳዊትን ንዘርኡን፥
ንዘለኣለም ይገብር።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in