YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 18

18
ኣቤሴሎም ከም ዝሞተ
1ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኣብ ሓደ ኣኪቡ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሸመሎም። 2ሓደ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ እቲ ጌታዊ ኢታይ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፥ “ኣነውን ርግፅ ምሳኻትኩም ክወፅእ እየ” በሎም።
3እቶም ህዝቢ ግና፥ “ንሕና እንተ ሃደምና ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ፍርቅና እንተ ሞትናውን ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ንስኻ ግና ኽንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፥ ኣይትውፃእ። ስለዙይ ሕዚ ተዳሊኻ ኣብ ከተማ ዄንካ እንተ ሓገዝካና ይሐይሽ” በልዎ።
4እቲ ንጉስ ከዓ “ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየኩም እገብር” በሎም።
ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣፍ ደገ ደው በለ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኮይኖም ወፁ። 5እቲ ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ንኣቢሳን ንኢታይን “ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም፥ ኣይትጕድእዎ” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዅሎም ኣሕሉቕ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ክእዝዞም እንተሎ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።
6እቲ ህዝቢ ከዓ ንደቂ እስራኤል ክዋግኦም ናብ ሜዳ ወፀ፤ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኮነ። 7ኣብኡ ኸዓ እቶም ህዝቢ እስራኤል ብሰራዊት ዳዊት ተስዓሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ዕስራ ሽሕ ዝኣኽሉ ኸዓ ሞቱ። 8እቲ ውግእ ኸዓ ኣብ ዅላ እታ ምድሪ ተጋፍሐ። በታ መዓልቲ ኻብቲ ሰይፊ ዝወሓጦ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ።
9ኣቤሴሎም ድማ ብድንገት ንኣገልገልቲ ዳዊት ተራኸቦም። ኣብ በቕሊ ኸዓ ተቐሚጡ ነበረ። እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጨንፈር ዘለዎ ዓብዪ ኦም ኣተወት፤ ርእሱ ኸዓ በቲ ጨንፈር ኦም ተትሓዘ እሞ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል ኢሉ ተረፈ፤ እታ ተቐሚጥዋ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሓለፈት።
10እዙይ ዝረአየ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ ሪአዮ” ኢሉ ነገሮ።
11ኢዮኣብ ከዓ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፥ “እንሆ ርኢኻዮ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ደኣ ዘይቀተልካዮ? ዓሰርተ ቅርሺ ብሩርን ዕጥቒ ተዋግኣይን ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ።
12እቲ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሳን ንኢታይን ‘ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም ኣይትጕድእዎ’ ኢሉ ኽእዝዘኩም እንተሎ ንሰምዖ ስለ ዝነበርና፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ኢደይ እንተ ዝወሃበኒ እኳ፥ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይመልዓልኩን። 13ንእኡ ቀቲለዮ እንተ ዝኸውን ድማ ኻብ ንጉስ ዝሕባእ ነገር ስለ ዘየለ፥ ምፈለጠ ነይሩ፤ ንስኻውን ኣይመድሓንካንን ኔርካ” በሎ።
14ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ። 15ንኢዮኣብ ኣፅዋሩ ዝስከሙሉ ዓሰርተ መንእሰያት ከዓ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፤ ወቒዖም ድማ ቐተልዎ።
16ኢዮኣብ ድማ እቲ ሰራዊት፥ ውግእ ምእንቲ ኸቋርፅ መለኸት ነፍሐ፤ እቲ ሰራዊት ከዓ ኻብ ምስጓጕ እስራኤል ተመለሰ። 17ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
18ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተሎ “ንመዘከርታ ስመይ ዝኾነኒ ወዲ የብለይን” ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ለሰ ንጉስ ሓደ ሓወልቲ ኣቝሙ ነበረ። ነቲ ሓወልቲ ኸዓ ብስሙ ሰመዮ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ “ሓወልቲ ኣቤሴሎም” ተብሂሉ ይፅዋዕ ኣሎ።
ዳዊት ንኣቤሴሎም ከም ዝበኸየሉ
19ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ድማ “ንንጉስ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቱ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፥ ጐይየ ደኣ ኸበስሮ” በለ።
20ኢዮኣብ ከዓ “ሎሚ መዓልቲ፥ ብስራት እትነግር ንስኻ ኣይኮንካን፤ ንስኻ ብኻልእ መዓልቲ ኢኻ ብስራት እትነግር። ወዲ ንጉስ ሞይቱ ስለ ዘሎ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንስኻ ብስራት ኣይትነግርን ኢኻ” በሎ።
21ኢዮኣብ ግና ኵሲ “ኪድ፥ ዝረአኻዮ ንንጉስ ንገሮ” በሎ። ኵሲ ድማ ንኢዮኣብ ኢድ ነሲኡሉ ጐየየ።
22ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ኸዓ ንኢዮኣብ መሊሱ “ዝመፀ ይምፃእ፤ በይዛኻ ኣነውን ደድሕሪ ኵሲ ኽጐዪ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ወደይ፥ ብስራት ነጊርካ እትቕበሎ ውህብቶ የብልካን እሞ፥ ስለ ምንታይ ትጐዪ?” በሎ።
23ንሱ ድማ “ዝመፀ ይምፃእ፤ ክጐዪ እየ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ኪድ ጕየ” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ ብመንገዲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ጐይዩ ንኵሲ ቐደሞ።
24ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ሓላዊ ኸዓ ኣብ ዝባን እቲ መካበብያ ደዪቡ ኣብኡ ደው በለ። እንተ ጠመተ ኸዓ በይኑ ዝጐዪ ሰብኣይ ረአየ። 25እቲ ሓላዋይ ከዓ ፀዊዑ ንንጉስ ዓው ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ድማ “በይኑ እንተ ኾይኑስ፥ ብስራት ዝሓዘ እዩ” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ቐረበ።
26እቲ ሓላዊ ኻልእ ሰብኣይ ክጐዪ ረአየ፤ ሽዑ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገ ፀዊዑ “በይኑ ዝጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ ይመፅእ ኣሎ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ “እዙይ እውን ዘበስር እዩ” በለ።
27እቲ ሓላዊ ድማ “ንኣይስ ጕያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ። ፅቡቕ ብስራት ዘምፅእ እዩ” በለ።
28ኣኪማኣስ ድማ ንንጉስ ዓው ኢሉ “ሰላም” በሎ። ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ እሞ “እቲ ኣብ ፀላእትኻ ዓወት ዝሃበካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ” በሎ።
29ንጉስ ድማ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ?” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ “ኢዮኣብ ንኣይ ኣገልጋሊኻን ነቲ ኻልእ ኣገልጋሊኻን ክልእኸና እንተሎ፥ ብዙሕ ዕግርግር ረአኹ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ።
30ንጉስ ከዓ “ርሕቕ ኢልካ ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ርሕቕ ኢሉ ደው በለ።
31ኵሲ ኸዓ መፀ። ንንጉስ ድማ “ካብ ኵሎም ፀላእትኻ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣድሒኑካ እዩ እሞ፥ ጐይታይ ንጉስ ኣብስረካ ኣለኹ” በሎ።
32ንጉስ ድማ ንኵሲ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ደሓን ድዩ?” በሎ። ኵሲ ኸዓ “ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስን ንኽፉእኻ ዝትስኡ ዅሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ” በሎ።
33ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in