2ይ ሳሙኤል 17
17
1ኣኪጦፌል ድማ ንኣቤሴሎም “በይዛኻ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት መሪፀ ተሲአ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ ፍቐደለይ። 2ተዳኺሙን ለሽ ኢሉን እንተሎ፥ ሓደጋ ኣውዲቐ ኸደንግፆ እየ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ኸዓ ኽሃድም እዩ። ንንጉስ በይኑ ቐቲለ፥ 3መርዓት ናብ ሰብኣያ ኸም እትምለስ፥ ንዅሉ ህዝቢ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ምስ ሞተ፥ ኵሉ ህዝቢ ብሰላም ክነብር እዩ” በሎ። 4እዝ ምኽሪ እዙይ ንኣቤሴሎምን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ኣሐጐሰ።
5ኣቤሴሎም ግና “እስኪ ንኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ፀውዕዎ፤ ንሱ ዝብሎ ድማ ኽንሰምዕ” በለ። 6ኵሲ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል ከምዙይ ዝበለ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ፤ ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር ይግባእ እዩ? እንተ ዘይኮይኑ ግና ንስኻ ንገረና” ኢሉ ተዛረቦ።
7ኵሲ ኸዓ ንኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል በዝ ጊዜ እዙይ ዝመኸሮ ምኽሪ ፅቡቕ ኣይኮነን” በሎ። 8ኵሲ ድማ መሊሱ፥ “ኣቦኻን እቶም ጀጋኑ ሰቡን ኣብ በረኻ፥ ዀራኹራ ኸም ዘግደፍዋ ሓራስ ድቢ ኸም ዝኾኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ። ምስ ሰራዊቱ ኸዓ ኣይሓድርን። 9ሕዚ እኳ ኣብ ሓደ በዓቲ ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ተሓቢኡ ይህሉ ይኸውን። ብመጀመርታ ንሱ እንተ ደኣ ተዋጊኡኩም፥ እቲ ዝሰምዐ ዅሉ ህዝቢ ‘እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዓበ ህዝቢ ተስዒሩ እዩ’ ኽብል እዩ። 10ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝኾነ፥ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸዓ ሓያላት ምዃኖም ኵሉ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ሽዑ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈፂሙ ልቡ ኽመክኽ እዩ።” 11ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ። 12ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝወድቕ፥ ኣብታ ዝርከበላ ቦታ ሓደጋ ነውድቐሉ። ንእኡን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከዓ ሓደ እንተየትረፍና ንቐትሎም። 13ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣተወ ድማ ሽዑ ዅሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ገመድ የምፅእ፤ ንእሽተይ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ናብ ውሽጢ ሩባ ኽንስሕባ ኢና።
14ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ።
15ሽዑ ኵሲ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ “ኣኪጦፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዙይ ኢሉ መኸሮም፤ ኣነውን ከምዙይ ኢለ መኸርኩ። 16እምበኣር ሕዚ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሓጡ ‘ዝገበርካ ጌርካ ቐልጢፍካ ተሳገር እምበር፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት ምድረ በዳ ኣይትሕደር’ ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ” በሎም።
17ዮናታንን ኣኪማኣስን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ተሪፎም ነበሩ፤ ምእንቲ ኸይረኣዩ ተገሊፆም ናብ ከተማ ኽኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዙይ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፤ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ። 18ግና ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፥ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ። ኣብ ብራቂም ምስ በፅሑ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ኣተዉ። ኣብ ውሽጢ መረባኡ ዒላ ስለ ዝነበረቶ ድማ ናብኣ ወረዱ። 19እታ ሰበይቱ ኸዓ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይሪኦም፥ ማእሲ ወሲዳ ኣብ ኣፍ እታ ዒላ ዘርግሐት፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ፍፁሕ ስገም ኣስጠሐት እሞ፥ ነገሩ ኸም ዘይፍለጥ ኮነ።
20ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
21ንሳቶም ምስ ከዱ፥ ኣኪማኣስን ዮናታንን ድማ ኻብታ ዒላ ወፂኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ “ኣኪጦፌል ከምዙይ ከምዙይ ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፥ ተሲእኹም ቀልጢፍኩም ነቲ ሩባ ተሳገርዎ” በልዎ። 22ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ተሲኦም ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ። ክሳዕ ወጋሕታ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
23ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
24ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም ከደ። ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከዓ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። 25ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ። 26እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሰፈሩ።
27ዳዊት ናብ ማሃናይም ምስ ኣተወ፥ ኡኤስቢ ወዲ ናዖስ ካብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን፥ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ኻብ ሎዶባር፥ ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ኸዓ ኻብ ሮግሊም፥ 28-29“እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ጠምዩን ደኺሙን ፀሚኡን እዩ ዘሎ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ዓራውትን ሒላባትን ኣቕሓ መሬትን ኣምፅኡ። ከምኡውን ዝብላዕ ስርናይን ስገምን ሕሩጭን ጥቡስ ሸዊትን ኣዳጕራን ብርስንን ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ላሕምን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣምፅኡሎም።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in