2ይ ሳሙኤል 14
14
ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተመለሰ
1ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ። 2ኢዮኣብ ድማ ናብ ቴቁሔ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ “በይዛኺ ኸም ዝሓዘንኪ ኹኒ፤ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፤ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፤ ብዝሞተ ሰብ ነዊሕ ዘመን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲውን ኩኒ። 3ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸዓ ኸምዙይ ኢልኪ ተዛረብዮ” በላ፤ ኢዮኣብውን ነቲ ቓሉ ኣብ ኣፋ ገበረ።
4እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ። “ኦ ንጉስ! ርድአኒ” ድማ በለቶ።
5ንጉስ ከዓ “እንታይ ኴንኪ ኢኺ?” በላ።
ንሳ ድማ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ። 6ኣነ ገረድካ ኸዓ ኽልተ ኣወዳት ነበሩኒ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ዘገላግሎም ኣብ ዘይብሉ በረኻ ተባኢሶም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ። 7እንሆ ኸዓ፥ ንኣይ ንገረድካ ዅሎም ዓሌቱ ተሲኦም ‘ነዝ ቐታሊ ሓዉ፥ ክንዲ እቲ ዝቐተሎ ሓዉ፥ ክንቀትሎ፥ ነቲ ወራሲ ኸዓ ኽነጥፍኦ ሃብና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ከምኡ እንድሕር ገይሮም ነቲ ወራሲ ኽቐትልዎ እዮም፤ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ተስፋ ድማ ኸጥፍእዎ እዮም። ንሰብኣየይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስም ኮነ ሓድጊ ኣየሓድጉሉን እዮም” በለቶ።
8ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “ንገዛኺ ኺዲ፤ ኣነ ድማ ብዛዕባ ነገርኪ ኽእዝዝ እየ” በላ።
9እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ኸዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ! እቲ በደል ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፤ ንጉስ ምስ ዙፋኑ ግና ንፁህ ይኹን” በለቶ።
10ንጉስ ድማ “ነቲ ዝዛረበኪ ናባይ ኣምፅእዮ፤ መሊሱ ኸዓ ኣይነኽአክን እዩ” በላ።
11ንሳ ድማ “በይዛኻ፥ እቲ ፈዳዪ ደም ጥፍኣት ከየብፅሕ እሞ ንወደይ ከይቐትሎስ፥ ንጉስ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቃል እተወለይ” በለቶ።
ንሱ ድማ “ካብ ወድኺ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በላ።
12ሽዑ እታ ሰበይቲ “በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ክዛረበካ” በለቶ። ንጉስ ከዓ “ተዛረቢ” በላ።
13እታ ሰበይቲ ድማ ኸምዙይ በለት፦ “ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ከምዙይ ሓሰብካሉ? ንጉስ ነቲ ኻብኡ ዝተሰጐ ዘይመለሶስ፥ እዝ ነገር እዙይ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ። 14ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና እሞ፥ ግድን ክንመውት ኢና። ኣምላኽ ድማ ጥፍኣት ነፍሲ ኣይፈቱን እዩ። ግናኸ እቲ ዝተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣፀቢቑ ይሓስብ እዩ።
15“ሕዚ ኸዓ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሐኒ፥ ነዝ ነገር እዙይ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረቦ ኢለ መፃእኹ። ኣነ ገረድካ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፤ ንጉስ ድማ ንዘረባ ገረዱ ምናልባሽ ይፍፅሞ ይኸውን። 16ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ከጥፍአና ዝደሊ ዘሎ ሰብኣይ፥ ንጉስ የድሕነና እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ።
17 #
2 ሳሙ. 19፡17። “ከምኡውን ‘ጐይታይ ንጉስ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ፅቡቕን ክፉእን ፈሊኻ እትፈልጥ ኢኻሞ፥ ቃልካ ኸዕርፈኒ እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ይኹን” በልኩ።
18ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “በይዛኺ፥ እዝ ኣነ ዝጥይቐኪ ነገር ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ተዛረብ ደኣ” በለት።
19እቲ ንጉስ ድማ “ኣብዝ ዅሉ እትብልዮ ዘለኽስ ኢድ ኢዮኣብዶ ኣለዎ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ፤ ካብቲ ዅሉ ንስኻ እትዛረቦ ሓደ እኳ ንየማን ኮነ ንፀጋም ዘብል የለን። እወ፥ ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እዩ ዝነገረኒ። እዝ ዅሉ ዝበልኩኻውን ንሱ ዝኣዘዘኒ እዩ። 20ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እቲ ነገር ምእንቲ ኽቃናዕ እዙይ ገበረ። ጐይታይ ከዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ኵሉ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጥበበኛ ኢኻ” ኢላ መለሰትሉ።
21ድሕሪዙይ ንጉስ ንኢዮኣብ “እንሆ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽገብር እየ እሞ ኺድ፤ ነቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ።
22ኢዮኣብ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፤ ንንጉስ ከዓ መረቖ። “ጐይታይ ንጉስ፥ ዘረባይ ዘረባ ሓሽከርካ ብምትግባርካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ሎሚ ፈለጥኩ” በለ።
23ኢዮኣብ ከዓ ናብ ጌሹር ከደ፤ ንኣቤሴሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። 24ንጉስ ከዓ “ናብ ቤቱ ይኺድ፤ ገፀይ ግና ኣይርአ” በለ። ስለዙይ ኣቤሴሎም ናብ ቤቱ ኸደ፤ ገፅ ንጉስ ድማ ኣይረአየን።
25ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብቑመናኡ የመና ዝተንኣደ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ፅፍሪ እግሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሱ ዝወዳደሮ ኣይነበረን። 26ፀጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ በብዓመቱ ይቘርፆ ነበረ። ምስ ቘረፆ ድማ ብሚዛን ንጉስ ክልተ ኺሎ ግራም ይምዘን ነበረ።
27ንኣቤሴሎም ሰለስተ ኣወዳትን ትእማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወለዱሉ። ትእማር ትርኢታ የመና ፅብቕቲ ሰበይቲ ነበረት።
28ኣቤሴሎም ከዓ፥ ገፅ ንጉስ እንተይረአየ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ። 29ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክሰዶ ደልዩ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ግና ናብኡ ምምፃእ ፍቓደኛ ኣይኮነን። መሊሱ ኸዓ ኻልኣይ ጊዜ ለኣኸሉ፤ ንሱ ግና መሊሱ ኣበየ። 30ሽዑ ኣቤሴሎም ንኣገልገልቱ “ስምዑ፥ ኢዮኣብ ኣብ ጥቓ ግራተይ ግራት ስገም ኣላቶ እሞ ኼድኩም ብሓዊ ኣባርዕዋ” በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ከዓ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ።
31ሽዑ ኢዮኣብ ተሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መፆ እሞ “ስለ ምንታይ እዩ ኣገልገልትኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ?” ኢሉ ጠየቖ።
32ኣቤሴሎም ድማ ንኢዮኣብ፦ “ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መፃእኹ? ንኣይስ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሐሸኒ ነይሩ” ኽትብለለይ ኢለ ልኢኸልካስ ስለ ዘይመፃእኻ እዩ። ሕዚ ኸዓ ምስ ንጉስ ኣራኽበኒ፤ በደል እንተ ተረኺቡኒ ኾይኑ ድማ ይቕተለኒ በሎ።
33ኢዮኣብ ከዓ ናብ ንጉስ ኣትዩ እዝ ነገር እዙይ ነገሮ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ፀውዖ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ናብ ንጉስ መፂኡ፤ ኣብ ቅድሚኡ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in