2ይ ሳሙኤል 13
13
ኣምኖንን ትእማርን
1ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ሓፍቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከዓ ኣፍቀራ።
2ትእማር ድንግል ስለ ዝነበረት፥ ኣምኖን ሓደ ነገር ንምግባር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጭንቂ ኾይንዎ ነበረ። ብፍቕሪ ሓፍቱ ትእማር የመና ስለ ዝተከዘ ሓመመ።
3ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ። 4ንሱ ድማ “ወዲ ንጉስ እንተለኻስ፥ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኴንካ እትዓብር እንታይ ኴንካ ኢኻ? እስኪ ንገረኒ?” በሎ።
ኣምኖን ከዓ “ኣነስ ፍቕሪ ትእማር ሓፍቲ ሓወይ ኣቤሴሎም ሒዙኒ ኣሎ” በሎ።
5ኢዮናዳብ ድማ “ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፤ ኣቦኻ ኽሪአካ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ ‘በይዛኻ ሓፍተይ ትእማር እንጀራ ኽትህበኒ ትምፃእ፤ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽሪኦስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፤ ባዕላ ኸዓ ተብልዐኒ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
6ኣምኖን ድማ “ሓሚመ” ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ክሪኦ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣምኖን ንንጉስ “በይዛኻ፥ ትእማር ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፥ ብኢዳ ድማ ኸተብልዐንስ ስደደለይ” በሎ።
7ሽዑ ድማ ዳዊት “በይዛኺ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዝብላዕ ግበርሉ” ኢሉ ናብ ገዛ ትእማር መልእኽተኛታት ለአኸ። 8ትእማር ከዓ ናብ እንዳ ኣምኖን ሓዋ ኸደት፤ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸዓ ብሑቝ ወሲዳ ለዊሳ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕጫታት ሰንከተት። ምስ በሰለ ኸዓ፥ 9ካብቲ መቝሎ ኣውፂኣ ቐረበትሉ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ “ንዅሉ ሰብ ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ኵሉ ሰብ ከዓ ኻብኡ ወፀ። 10ኣምኖን ድማ ንትእማር “ብኢድኪ ኽበልዕስ ነቲ ብልዒ ናብ ሕልፍኚ ኣእትዊዮ” በላ። ትእማር ከዓ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፥ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ። 11ክበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ሒዙ “ሓፍተይ፥ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ።
12ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን ሓወይ፥ ኣይተነውረኒ፤ ከምዙይ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፥ ነዝ ነውሪ እዙይስ ኣይትግበሮ። 13ኣነኸ እንታይ ክኸውን እየ? ነዝ ነውረይ ተሰኪመኸ ናበይ ክኸይድ እየ? ንስኻኸ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ነውራማትዶ ኽትከውን ኢኻ? ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንንጉስ ንገሮ ንኣይ ክትምርዐወኒ ኣይኸልአካን እዩ” በለቶ። 14ንሱ ግና ዘረባኣ ኽሰምዕ ኣይደለየን፤ ካብኣ ዝሕይል ስለ ዝነበረ ዓመፃ፥ ምስኣ ድማ ደቀሰ።
15ድሕሪዙይ ኣምኖን የመና ፀልኣ፤ እኳ ደኣ ኻብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ የመና ፀልኣ። “ተስኢ፤ ኪዲ” ድማ በላ።
16ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን፤ ካብቲ ቕድም ዝገበርካዮ በደል ነኣይ ብምውፃእኻ ሕዚ ዝገደደ በደል ትሰርሕ ኣላኻ” በለቶ።
ንሱ ግና ኽሰምዓ ኣይደለየን። 17ነቲ ዘገልግሎ ሓሽከሩ ፀዊዑ ድማ “በይዛኻ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ኻብ ቅድመይ ንደገ ኣውፅአለይ፤ ነቲ ማዕፆ ኸዓ ዕፀዎ” በሎ። 18ሽዑ እቲ ኣገልጋሊ ንደገ ኣውፅኣ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ብድሕሪኣ ዓፀዎ። ትእማር ከዓ ኸምቲ ኣዋልድ ንጉስ ደናግል እንተለዋ ዝኽደናኦ ዝነበራ ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። 19ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቐሚሽ ከዓ ቐደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናእወየት ከደት።
20ኣቤሴሎም ሓዋ ኸዓ “ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ? ሓፍተይ፥ ሕዚ ስቕ በሊ፤ ንሱ ሓውኪ እዩ፤ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልብኺ ኣይትዕቘርዮ” በላ። ትእማር ድማ ብጕህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ንበይና ተቐመጠት።
21ንጉስ ዳዊት ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ተቘጥዐ፤ ግና በኵሪ ወዱ ነበረሞ ስለ ዝፈትዎ ንነፍሲ ኣምኖን ወዱ ኣየሕዘነን። 22ኣቤሴሎም ከዓ ኣምኖን ንትእማር ሓፍቱ ስለ ዘነወራ፥ ፀሊእዎ ነበረ እሞ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን።
ኣቤሴሎም ንኣምኖን ከም ዝቐተሎ
23ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ኣቤሴሎም ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በቤላሶር ፀጕሪ ኣባጊዑ የቝርፅ ነበረ። ንዅሎም ደቂ ንጉስ ከዓ ናብኡ ዓደሞም። 24ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መፂኡ “እንሆ ፀጕሪ ኣባጊዕ ኣቝርፅ ኣለኹ እሞ፥ ንጉስን ሓሻኽሩን ምሳይ ምስ ሓሽከርካ ይኺዱ” በሎ።
25ንጉስ ከዓ ንኣቤሴሎም “ኣይፋልካን ወደይ፤ ከይንኸብደካስ ኵላትናስ ኣይንመፅእን ኢና” በሎ። ኣቤሴሎም ከዓ ግዲ በሎ። ንጉስ ግና መረቖ ደኣ እምበር፥ ክኸይድ ኣይፈተወን።
26ሽዑ ኣቤሴሎም “እዙይ እንተ ደኣ ዘይኸውን ኮይኑስ፥ እምበኣር በይዛኻ፥ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ” በሎ።
ንጉስ ድማ፥ “ስለ ምንታይ እዩ ምሳኻ ዝኸይድ?” በሎ። 27ኣቤሴሎም ግና ኣፅኒዑ ለመኖ፤ ሽዑ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ክኸዱ ፈቐደ። ኣቤሴሎም ንደቂ ንጉስ ዝግባእ ምሳሕ ኣዳለወ። 28ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም። 29ሓሻኽር ኣቤሴሎም ድማ ኸምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ንኣምኖን ቀተልዎ። ሽዑ ዅሎም እቶም ደቂ ንጉስ ተሲኦም፥ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሃደሙ።
30ገና ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ንዳዊት “ኣቤሴሎም ሓደ እኳ እንተየትረፈ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም” ዝብል ወረ ኣምፅኡሉ። 31ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኵሎም ኣገልገልቱውን ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።
32ኢዮናዳብ፥ ወዲ ሳምዓ ሓው ዳዊት ግና፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ጐይታይ፥ ኵሎም እቶም ኣጕባዝ ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ዝሞተ። እዙይ ከዓ ኻብታ ኣምኖን ንሓፍቱ ትእማር ዘነወረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣቤሴሎም ዝሃቀኖ ነገር እዩ። 33እምበኣርከስ፥ ሕዚ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ሞይቱ እምበር ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም’ ኢልካ ነዝ ነገር እዙይ ኣይትእመን፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ” በሎ።
34ኣቤሴሎም ግና ሃደመ። እቲ ዝሕሉ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቘላሕ እንተ ኣበለ፥ እንሆ፥ በታ ብድሕሪኡ ብወገን ኰረብታ ዘላ መንገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኽመፅእ ረአየ። እቲ ሓላዊ ኸዓ ናብ ንጉስ ከይዱ “እንሆ ብፀግዒ እቲ ዀረብታ፥ በታ ናብ ሖርናይም እተእቱ መንገዲ ሰባት ይመፁ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ።
35ኢዮናዳብ ከዓ ንንጉስ “ከምቲ ኣገልጋሊኻ ዝበልኩኻ ኾይኑ፤ ደቂ ንጉስስ እኒሀዉ ይመፁ ኣለዉ” በሎ።
36ዘረባኡ ምስ ወድአ፥ እንሆ እቶም ደቂ ንጉስ ኣተዉ፤ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከዓ በኸዩ። ንጉስን ኵሎም ሓሻኽሩንውን የመና ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
37ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ፥ ናብ ታልማይ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከዓ ንወዱ ኣምኖን ኵልሻዕ ይበኽየሉ ነበረ። #2 ሳሙ. 3፡3።
38ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፤ ኣብኣውን ሰለስተ ዓመት ተቐመጠ። 39ንጉስ ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ ዝተፀናንዐ፥ ናብ ኣቤሴሎም ክኸይድ ናፈቐ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in