YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 15

15
ኣቤሴሎም ክኸድዕ ከም ዝዓለመ
1ድሕሪዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ፤ ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ዓጀብቲውን ገበረ። 2ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ። 3ኣቤሴሎም ድማ “ረአ፥ ነገርካስ ፅቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፤ ግና ኽንዲ ንጉስ ኮይኑ ኽሰምዐካ ዝተኣዘዘ የለን” ይብሎ ነበረ። 4ቀፂሉውን “ኣነ ዳኛ እንተ ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመፅእ፥ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ፤ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ!” ይብል ነበረ።
5ዝኾነ ሰብ ክሰግደሉ ኢሉ እንተ ቐረቦ ብኢዱ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። 6ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክፍረድ ኢሉ ንዝመፀ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ እናበለ ይቕበሎ ነበረ። ከምዙይ እናገበረ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
7ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ ዳዊት “እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹሉ መብፅዓ ኣብ ኬብሮን ክፍፅም ክኸይድ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ። 8ኣነ ሓሽከርካ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ እንተለኹ ‘እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ብርግፅ እንተ ደኣ መሊሱኒ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኬብሮን ክሰግደሉ እየ’ ኢለ ተመባፂዐ ነይረ እየሞ” በሎ።
9ንጉስ ከዓ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።
10ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም። 11ምስ ኣቤሴሎም ድማ ኽልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ከዱ፤ ንሳቶም ከዓ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ሓደኳ እንተይፈለጡ ብገርህነቶም ከዱ። 12ኣቤሴሎም ድማ ነቲ ኣማኻሪ ዳዊት ዝነበረ ንበዓል ጊሎ ኣኪጦፌል ኣብ ከተማ ጊሎ መስዋእቲ ኣብ ዘቕርበሉ ጊዜ ፀውዖ። እቲ ሻራ ኸዓ በርትዐ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዘሎ ህዝቢ ድማ እናበዝሐ ኸደ።
ዳዊት ከም ዝሃደመ
13ሓደ ልኡኽ ናብ ዳዊት መፂኡ ኸዓ፦ “ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ይስዕቡ ኣለዉ” በሎ።
14ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም።
15እቶም ሹመኛታት ንጉስ ከዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኵሉ ዝደለኻዮ ንምግባር፥ እኒሀና ኣገልገልትኻ ድልዋት ኢና” በልዎ።
16ንጉስ ድማ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ እንትርፊ እተን ቤተ መንግስቲ ኽሕልዋ ዝሓደገን ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ፤ ኵሉ ቤተሰቡ ደድሕሪኡ ሰዓቦ። 17እቲ ንጉስ ወፀ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ሰዓቦ። ርሕቕ ኢሎም ከዓ ኣብ ሓደ ቦታ ደው በሉ። 18ኵሎም ሓሻኽሩ ኸዓ ብቕድሚኡ ሓለፉ። እቶም ንንጉስ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ኵሎም እቶም ካብ ጌት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቀቅድሚኡ ሓለፉ።
19ሽዑ እቲ ንጉስ ንጌታዊ ኢታይ “ንስኻኸ ስለ ምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣለኻ? ተመለስ፤ ምስ ንጉስ ኣቤሴሎም ድማ ተቐመጥ፤ ንስኻስ ተሰዲድካ ዝመፃእኻ ጓና ኢኻ እሞ፥ ናብ ቦታኻ ተመለስ። 20ትማሊ ኢኻ ዝመፃእኻ። ኣነ ንርእሰይ ናብ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፤ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ ኾይነ? ኺድ ደኣ ተመለስ፤ ነሕዋትካውን ምለሶም፤ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን” በሎ።
21ኢታይ ግና ንንጉስ “ጐይታይ ንጉስ! ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ብህይወት ኮነ ብሞት ኣነ ሓሽከርካ ኣብኡ ኸም ዝህሉ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
22እምበኣር “ኪድ ሕለፍ” በሎ። እቲ ጌታዊ ኢታይን ኵሉ ሰቡን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነብሩ ቘልዑን ድማ ተሳገሩ።
23ኵሎም እቶም ሰዓብቲ ዳዊት ክሓልፉ እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ይበኽዩ ነበሩ። ንጉስ ድማ ሩባ ቄድሮን ተሳገረ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በታ ናብ ምድረ በዳ ኣቢላ እትወስድ መንገዲ ተሳገሩ።
24ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ከዓ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ፆይሮም መፁ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ከዓ ኣቐመጥዎ፤ እቲ ዅሉ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝወፅእ ድማ ኣብያታር ብርኽ ናብ ዝበለ ቦታ ደየበ።
25ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንኻህን ሳዶቅ፦ “ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ክመልሰኒ እዩ፤ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኸርእየኒ እዩ። 26ብኣይ ሕጉስ እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ እኒሀኹ፥ ከም ዝደለዮ ይግበረኒ” በሎ።
27ንጉስ ድማ ንኻህን ሳዶቅ፥ “ንስኻ ረኣዪዶ ኣይኮንካን? ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፤ ወድኻ ኣሒማዓፅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ። 28እነሆ፥ እቲ ወረ ዝነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽፀንሕ እየ” በሎ። 29ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢየሩሳሌም መለስዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጡ።
30ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ። 31ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።
32ዳዊት ከዓ ናብ ርእሲ እቲ እምባ፥ ናብታ ንእግዚኣብሄር ዝስገደላ ቦታ ምስ መፀ፥ እንሆ፥ እቲ ኣርካዊ ኵሲ፥ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኽራኸቦ መፀ። 33ዳዊት ድማ “ምሳይ እንተ ኼድካ ኽትከብደኒ ኢኻ። 34ግና ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፥ ንኣቤሴሎም ከዓ፥ ‘ኦ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ክኸውን እየ፤ ቀደም ኣገልጋሊ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፥ ሕዚ ድማ ሓሽከርካ ክኸውን እየ’ እንተ በልካዮ፥ ሽዑ ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኸም ዝኸውን ክትገብረለይ ኢኻ። 35እቶም ካህናት ሳዶቅን ኣብያታርን ኣብኡ ምሳኻ ኣለዉ። እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕኻዮ ንኣኣቶም ንገሮም። 36ክልቲኦም ደቆም፥ ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን፥ ኣብኡ ምስኣቶም ኣለዉ። ኵሉ እትሰምዕዎ ነገር ድማ ብኣኣቶም ጌርኩም ለኣኹለይ” በሎ።
37ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ እንተሎ ኵሲ ፈታዊ ዳዊት ከዓ ኣብኣ በፅሐ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in