2ይ ነገስት 8
8
እታ በዓልቲ ሹነም ሰበይቲ ኸም ዝተመለሰት
1 #
2 ነገ. 4፡8-37። ኤልሳዕ ነታ ወዳ ካብ ሞት ዘተስአላ ሰበይቲ፥ “እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር እዚኣ፥ ሸውዓተ ዓመት ዝፀንሕ ጥሜት ኣዚዙ ኣሎ እሞ፥ ንስኽን ቤተ ሰብክን ተሲእኺ ኺዲ ኣብ ዝረኸብክዮ ዓዲ ተቐመጢ” ኢሉ ተዛረባ። 2እታ ሰበይቲ ኸዓ ተሲኣ ኸምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝበላ ገበረት። ንሳን ቤተሰባን ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሸውዓተ ዓመት ተቐመጡ።
3እተን ሸውዓተ ዓመት ምስ ተወድኣ እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰት፤ ብዛዕባ ቤታን ግራታን ክትጠርዕ ናብ ንጉስ ከደት። 4በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ንግያዝ፥ ሓሽከር ኤልሳዕ “በይዛኻ እቲ ኤልሳዕ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት ንገረኒ?” ይብሎ ነበረ። 5ግያዝ ከዓ፥ ኤልሳዕ ምዉት ከም ዘተስአ ንንጉስ ክነግሮ እንተሎ፥ እንሆ እታ ወዳ ዘተስአላ ሰበይቲ ቤታን ግራታን ክተምልስ ኣብ ንጉስ ክትጠርዕ መፀት።
ሽዑ ግያዝ “ጐይታይ ንጉስ፥ እታ ሰበይቲ እዚኣ እያ፤ እቲ ኤልሳዕ ዘተስኦ ወዳውን እዙይ እዩ” በሎ። 6እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ጠየቓ፤ ንሳ ኸዓ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ሃባ እሞ “ዝነበራ ዅሉን፥ እታ ግራታ ኻብታ ዝተሰደደትላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ኽተእትዎ እትኽእል ዝነበረ ዅሉን ኣምልሰላ” በሎ።
ኣዛሄል ንወልደ ኣዴር ከም ዝቐተሎ
7ኤልሳዕ ናብ ደማስቆ ኸደ። ንጉስ ሶርያ ወልደ ኣዴር ከዓ ሓሚሙ ነበረ፤ “እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብዙይ መፂኡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ። 8ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣዛሄል “ገፀ በረኸት ሒዝካ ንኤልሳዕ ክትቅበሎ ኺድ እሞ ‘ካብዝ ሕማም እዙይ ክሓዊ ድየ?’ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ጠይቐለይ ኢሉካ በለለይ” በሎ።
9ኣዛሄል ድማ ዘዝበለፀ ሃብቲ ደማስቆ ኣርብዓ ፅዕነት ግመል ዝኣክል ሒዙ ናብ ኤልሳዕ ከደ። ምስ ተራኸቡ ድማ “ወድኻ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ‘ካብዝ ሕማም እዙይዶ ኽሓዊ እየ?’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።
10ኤልሳዕ ከዓ “ኪድ እሞ፥ ‘ምሕዋይስ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ። ግና ብርግፅ ከም ዝመውት እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ” 11እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ኣዛሄል ክሳዕ ዝሽቝረር ተኲሩ ጠመቶ። ብድሕሪዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ነብዐ።
12ኣዛሄል ከዓ “ጐይታይ ስለ ምንታይ ኢኻ ትበኪ ዘለኻ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩ፥ ዕርድታቶም ብሓዊ ኽተቃፅል፥ ነጓብዞም ከዓ ብሰይፊ ኽትቀትል፥ ንህፃናቶም ድማ ኽትጭፍልቕ፥ ንጥኑሳቶምውን ከብደን ክትቀድድ ኢኻ” በሎ።
13 #
1 ነገ. 19፡15። ኣዛሄል ከዓ “እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ዝገብርስ ኣነ ሓደ ኸልቢ ዝኾንኩ ባርያኻስ መን ኮይነ እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ” በሎ።
14ካብ ኤልሳዕ ከዓ ርሒቑ ኸደ፤ ናብ ጐይታኡውን ተመለሰ። ንሱ ኸዓ “ኤልሳዕ እንታይ ኢሉካ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣዛሄል ድማ “ብርግፅ ከም እትሓዊ ነጊሩኒ” ኢሉ መለሰሉ። 15ንፅባሒቱ ኣዛሄል ወጮ ወሲዱ ኣብ ማይ ኣሊኹ ዓቢሱ ቐተሎ። ክንድኡ ድማ ነገሰ።
ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 21፡1-20)
16ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ፤ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 17ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። 18ግና ጓል ኣክኣብ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ከም ቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ገበረ። 19እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኽህቦም ዘተስፈዎ፥ ምእንቲ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፥ ንይሁዳ ኸጥፍኣ ኣይደለየን። #1 ነገ. 11፡36።
20ብዘመን ኢዮራም ኤዶምያስ ንይሁዳ ከይግብር ዓመፀ፤ ናይ ባዕልቶም ንጉስ ድማ ኣንገሱ። #ዘፍ. 27፡40። 21ሽዑ ኢዮራም፥ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ፃኢር ሓለፈ። ኤዶማውያን ከዓ ኸበብዎም። ንሱ ግና ብለይቲ ተሲኡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያን ወቕዐ፤ እቶም ህዝቢ ድማ፤ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ። 22ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኤዶምያስ ንይሁዳ ኻብ ምግባር ሸፈተ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቱይ ካብ ይሁዳ ዓመፀት።
23እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮራም ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 24ኢዮራም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 22፡1-6)
25ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ ኣካዝ ወዲ ኢዮራም፥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 26ኣካዝ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ጎቶልያ ትብሃል ነበረት። ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ። 27ንሱ ምስ ቤት ኣክኣብ መውስቦ ስለ ዝነበሮ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
28ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኮይኑ ድማ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። ንጉስ ኢዮራም ድማ ኣብኡ ብሶርያውያን ተወግአ። 29ንጉስ ኢዮራም ከዓ እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ፥ ሶርያውያን ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ ኸሕዊ ናብ ኢይዝራኤል ተመለሰ። ኣካዝ፥ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮራም ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክበፅሖ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in