2ይ ነገስት 9
9
ኢዩ ኣብ እስራኤል ክነግስ ከም ዝተቐብአ
1ነቢይ ኤልሳዕ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነቢያት ፀዊዑ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ እዝ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ኪድ። 2ኣብኣ ምስ በፃሕኻ ኸዓ፥ ንኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ፥ ወዲ ናሜሲ፥ ደሊኻ ርኸቦ፤ ካብ ማእኸል ኣሕዋቱ ኣተሲእኻ ድማ ናብ ውሽጢ ሕልፍኚ ኣእትዎ። 3ሽዑ ነቲ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍስሶ እሞ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ እየ’ ይብል ኣሎ በሎ፤ ድሕሪኡ ማዕፆ ኸፊትካ ህደም፥ ኣይትደንጒ” በሎ።
4እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ነቢይ ኤልሳዕ ከዓ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ከደ። 5ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ፥ ናባኻ መልእኽቲ ኣለኒ” በለ።
ኢዩ ድማ “ምስ መኒና እዩ?” በሎ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ ምሳኻ እዩ” በሎ።
6ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፤ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ። #1 ነገ. 19፡16። 7ኣነ ነቲ ኤልዛቤል ዘፍሰሰቶ ደም ባሮተይ ነቢያትን ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ሕነ ኽፈድስ ንቤት ጐይታኻ ኣክኣብ ክተጥፍኣ ኢኻ። 8ቤት ኣክኣብ ብምልእታውን ክትጠፍእ እያ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ኻብ ኣክኣብ ዝተወልደ ዓብዪ ኾነ ዝተኣሰረ ወይ ዘይተኣሰረ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። 9ንቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ንቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ንቤት ባዖስ ወዲ ኣኪያን ዘጥፋእኽወን ከጥፍኣ እየ። 10ንኤልዛቤል ድማ ዝቐብራ ኣይህሉን፤ ንሬሳኣ ኣብ ቃድራ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም’ ” በለ። እዙይ ምስ በለ፥ ካብታ ቤት ወፂኡ ሃዲሙ ኸደ። #1 ነገ. 21፡23።
11ኢዩ ወፂኡ ናብቶም ሓሽኽር ጐይታኡ ምስ ተሓወሰ ኸዓ፥ “ደሓን ድዩ? እዝ ዕቡድ እዙይ እንታይ ደልዩ እዩ መፂኡካ ዝነበረ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ኢዩ ድማ “ነዝ ሰብኣይ እዙይን ነቲ ዝበሎ ዘረባን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም” በሎም።
12ንሳቶም ግና “ሓሰት እዩ፤ ንስኻ ግዳ ንገረና?” በልዎ።
ኢዩ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ’ ኢሉ ኸምዙይ ከምዙይ ኢሉ ነጊሩኒ” በሎም።
13ሽዑ ዅሎም ቀልጢፎም ከክዳውንቶም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ፥ ኣብቲ ናይ ደብሪ መደያይቦ ኣንፀፉ፤ መለኸት እናነፍሑ ድማ “ኢዩ ነጊሱ” እናበሉ ኣወጁ።
ኢዮራም ንጉስ እስራኤል ከም ዝተቐትለ
14ኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ ወዲ ናሜሲ ንኢዮራም ሻራ ገበረሉ። በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ኢዮራምን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ምእንቲ ኸይወሮም ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ኮይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 15ንጉስ ኢዮራም ግና እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቝስሊ ኽሕከም ናብ ኢይዝራኤል ተመሊሱ ነበረ። ኢዩ ኸዓ “ልብኹም ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከይዱ ናብ ኢይዝራኤል ምእንቲ ኸይነግር፥ ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ኣይውፃእ” በሎም። 16ኢዮራም ኣብ ኢይዝራኤል ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ እሞ፥ ኢዩ ኣብ ሰረገላ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ። ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንኢዮራም ክበፅሕ ናብ ኢይዝራኤል ወሪዱ ነበረ።
17እቲ ኣብ ግንቢ ኢይዝራኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ሓላዊ ኸዓ ጭፍራ ኢዩ እንትመፅእ ሪኡ፥ “ጭፍራ እንትመፅእ እርኢ ኣለኹ” በለ። ኢዮራም ድማ “ሓደ ፈረሰኛ ለኣኽ እሞ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ኢሉ ይጠይቖም” በሎ።
18ሓደ ኸዓ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ኽራኸቦም ከይዱ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ጠየቖም። ኢዩ ኸዓ “ንስኻ ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ።
እቲ ሓላዊ ድማ “እቲ ልኡኽ ናብኣቶም በፂሑ፤ ግና ኣይተመለሰን” ኢሉ ነገረ።
19ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኣቶም መፂኡ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” በሎም።
ኢዩ ኸዓ “ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ። 20እቲ ልኡኽ ድማ “ናብኣቶም በፂሑ፥ ግና ኣይተመለሰን። እቲ መራሒ ሰረገላ ኸዓ ኸም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ፤ ኣካይዳኡ ድማ ኣካይዳ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ይመስል” ኢሉ ነገሮ።
21ሽዑ ኢዮራም “ሰረገላ ኣዳልዉ” በለ። ሰረገላ ድማ ኣዳለውሉ። ኢዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣካዝ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሰረገላኦም ደየቡ፤ ንኢዩ ኽዋግእዎ ድማ ወፁ፤ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኸዓ ተራኸብዎ። 22ኢዮራም ንኢዩ ምስ ረአዮ “ኢዩ፥ ብሰላም ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
ንሱ ኸዓ “እቲ ናይ እኖኻ ኤልዛቤል ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን እቲ ብዙሕ ጥንቍልናኣን ክሳዕ ዘሎ፥ እንታይ ሰላም ኣሎ?” ኢሉ መለሰሉ።
23ኢዮራም ድማ ንንጉስ ኣካዝ “ኣካዝ፥ ዓመፅ እዩ” በሎ። ኢዮራም ሰረገላኡ መሊሱ ድማ ሃደመ።
24ኢዩ ግና ቐስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንኢዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፤ እቲ ፍላፃ ድማ ብልቡ ወፀ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸዓ ድፍእ በለ። 25ኢዩ ንቢድቃር ሓለቓ ሰረገላታቱ “ኣልዒልካ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ደርብዮ፤ እቲ ኣነን ንስኻን ኣብ ፈረስ ተቐሚጥና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣክኣብ ክንስዕብ እንተለና፥ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ከም ዝተዛረበሉ ዘክር፦ 26#1 ነገ. 21፡19። ‘ነቲ ደም ናቡቴን ደም ደቁን ብርግፅ ትማሊ ሪአዮ እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ክፈድየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ወሲድካ ኣብታ ግራት ናቡቴ ደርብዮ” በሎ።
ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝሞተ
27ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዙይ ምስ ረአየ፥ ብመንገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። ኢዩ ግና “ንእኡውን ውግእዎ” እናበለ ደድሕሪኡ ሰዓበ። ኣብታ ጥቓ ይብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከዓ ኣብ ሰረገላኡ እንተሎ ወግእዎ። ግና ኽሳዕ መጊዶ ሃደመ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ። 28እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ድማ ቐበርዎ። 29ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
ኤልዛቤል ከም ዝሞተት
30ብድሕሪዙይ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል መፀ፤ ኤልዛቤል ነዙይ ምስ ሰምዐት ኣዒንታ ተዅሒላ ርእሳውን ተቘኒና ብመስኮት ኮይና ትጥምት ነበረት። 31ኢዩ በቲ ኣፍ ደገ ምስ ኣተወ ድማ “ኣታ ቐታሊ ጐይታኡ ዘምሪ፥ #9፡31 ቐታሊ ጐይታኡ፦ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ዝቐተለ እዩ። 1ነገ. 16፡8-12 ረአ። ብደሓን ዲኻ?” በለቶ።
32ኢዩ ኸዓ ገፁ ናብ መስኮት ኣንቃዕሪሩ፥ “ምሳይ ዝሓብር መን ኣሎ? መን?” በለ። ሽዑ ኽልተ፥ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ንታሕቲ ጠመቱ። 33ንሱ ድማ “ኣፅድፍዋ” በለ። ንሳቶም ድማ ኣፅደፍዋ እሞ፥ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነፅገ፤ ረጊፁዋውን ሓለፈ።
34ኣትዩ ድማ በልዐን ሰተየን፤ ብድሕሪኡ “በይዛኻትኩም፥ ርግምቲ እኳ እንተ ኾነት ጓል ንጉስ እያ እሞ ወሲድኩም ቅበርዋ” ኢሉ ኣዘዘ። 35ክቐብርዋ ኸዓ ኸዱ፤ ግና እንትርፊ ሓምሓም ርእሳን፥ ሸዀና እግራን፥ ግናዕ ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡላን። 36#1 ነገ. 21፡23። ተመሊሶም ድማ ነገርዎ፤ ኢዩ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ኤልያስ ቴስብያዊ ዝበሎ እዩ፦ ንስጋ ኤልዛቤል ኣብ ግራት ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም። 37ሬሳ ኤልዛቤል ድማ እዚኣስ ኤልዛቤል እያ ኢሉ ዘለልያ ኽሳዕ ዘይርከብ ኣብ ልዕሊ ግራት ኢይዝራኤል ከም ድዅዒ ክኸውን እዩ።”
Currently Selected:
2ይ ነገስት 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in