YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 7

7
1ኤልሳዕ ድማ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ቓል ስምዑ” በለ። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ሰማርያ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ክሽመት እዩ።”
2ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
ሰራዊት ሶርያ ኸም ዝሃደሙ
3ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ለምፂ ዝሓዞም ኣርባዕተ ሰባት ነበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዙይ እንቕመጥ? 4ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፥ ኣብ ከተማ ጥሜት ስለ ዘሎ፥ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፤ ኣብዙይ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና። እምበኣር ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ፤ ብህይወት እንተ ሓደጉና ብህይወት ንነብር፤ እንተ ቐተሉና ኸዓ ንመውት” ተበሃሃሉ።
5ፅልግልግ ምስ በለ ድማ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተልዓሉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን። 6ኣምላኽ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ድምፂ ሰረገላታትን ድምፂ ኣፍራስን ድምፂ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፥ ንስንሳቶም “እንሆ፥ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ግብፃውያንን ዓሲቡ ናባና ኣምፂእዎም እዩ” ተበሃሃሉ። 7ፅልግልግ ምስ በለ ኸዓ ተሲኦም ሃደሙ። ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮምን ከም ዘሎ ሓዲጎም ህይወቶም ከድሕኑ ሃደሙ።
8እቶም ለምፃማት እቲኣቶም፥ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፤ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፤ ከይዶም ከዓ ሓብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፤ ካብኡ ኸዓ ወሰዱ፤ ከይዶምውን ሓብእዎ።
9ሽዑ ንስንሳቶም “እዝ ንሕና እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ኣይኮነን፤ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ፤ ንሕና ኸዓ ስቕ ኢልና ኣለና፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ እንተ ፀናሕና ድማ ኽንቅፃዕ ኢና። ሕዚ ኸዓ ንኺድ እሞ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ንንገር” ተበሃሃሉ።
10መፂኦም ድማ ንሓለውቲ ደገ እታ ኸተማ ፀዊዖም “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፤ ኣብኡ ኸዓ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትውን ከም ዘለዎ እምበር፥ ሰብ ኮነ፤ ድምፂ ሰብ የለን” ኢሎም ነገሩ። 11እቶም ሓለውቲ ኸዓ ፀዊዖም ነገሩ፥ እቲ ነገር ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተሰምዐ።
12እቲ ንጉስ ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ተሲኡ ንሹመኛታቱ “እቶም ሶርያውያን ብዛዕባና እንታይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ኽነግረኩም፥ ንሕና ብጥሜት ንመውት ከም ዘለና ስለ ዝፈለጡ፥ ‘ካብ ከተማ ምስ ወፁ፤ ብህይወቶም ክንሕዞም ኢና፤ ናብ ከተማ ኸዓ ኽንኣቱ ኢና’ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ካብ ሰፈር ወፂኦም ኣብ በረኻ ተሓቢኦም ኣለዉ” በሎም።
13ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ድማ፦ “ኣብዝ ኸተማ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ፥ ከምቶም ቅድሚ ሕዚ ዝሞቱ ሰባት ካብ ሞት ዝተርፍ የለን፥ ስለዙይ እቲ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጥ ካብዞም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ሓሙሽተ ኣፍራስ ጌርና ዝስልሉ ንስደድ ንርአውን” ኢሉ መለሰ።
14ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፤ እቲ ንጉስ ድማ “ኪዱ እሞ እንታይ ከም ዘሎ ርአዩ” ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም። 15ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኣቶም ከዱ። እንሆ ኸዓ፥ እቶም ሶርያውያን ዝሓለፍዎ መንገዲ ዅሉ ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቑሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ። 16ሽዑ እቲ ህዝቢ ወፂኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ወረሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ድማ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ተሸመተ።
17እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ዋና ሓሽከሩ ነቲ ኣፍ ደገ ኽሕሉ ኣቖሞ። ግና እቲ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ፥ ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተዛረቦ ቓል፥ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረጊፆም ቀተልዎ። 18ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንንጉስ “ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ክሽመት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ኸዓ ኾነ። 19እቲ ዋና ሓሽከር ንጉስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ኣይኸውንን እዩ” ኢሉ መሊሱ ነበረ። ኤልሳዕውን “እንሆ በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን ኢኻ” ኢልዎ ነበረ። 20ከምኡ ድማ ኾነ፤ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገፅዎሞ ሞተ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in