YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 6

6
ዝጠለቐ ምሳር ብተኣምር ፀለል ከም ዝበለ
1እቶም ደቂ ነቢያት ንኤልሳዕ “እንሆ እዛ ኣብ ቅድሜኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ፀቢባትና ኣላ። 2ስለዙይ ናብ ዮርዳኖስ ክንከይድ እሞ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓድሓደ ኦም ሰርወ ኣምፂእና ኣብኡ እንነብረሉ ስፍራ ኽንሰርሕ ፍቐደልና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኪዱ” በሎም።
3ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ንኤልሳዕ “በይዛኻ ንስኻውን ምሳና ምስ ሓሻኽርካ ኺድ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ሕራይ እኸይድ” በለ፤ 4ምስኣቶምውን ከደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ ድማ ኦም ክቘርፁ ጀመሩ። 5ሓደ ኻብኣቶም ኦም ክቘርፅ እንተሎ፥ እቲ ምሳር ነፂሉ ናብ ማይ ጠለቐ። ሽዑ ዓው ኢሉ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ እየ ዝገብሮ? ኣቕሓ ልማኖ እዩ” ኢሉ ኣእወየ።
6እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ “ኣበይ ወዲቑ?” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ ኤልሳዕ ዕንፀይቲ ቘሪፁ ናብኣ ደርበዮ፤ እቲ ምሳር ከዓ ፀለል በለ። 7ሽዑ ድማ “ውሰዶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ።
ሰራዊት ሶርያ ኸም ዝተስዓረ
8ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምስቶም ሓሻኽሩ ተማኺሩ ኸዓ ተሓቢእና ኣብዙይ ክንሰፍር ኢና በለ።
9ኤልሳዕ ከዓ ንንጉስ እስራኤል “ሶርያውያን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣድቢዮም ኣለዉ እሞ ብኣኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ። 10ስለዙይ ንጉስ እስራኤል ነታ ብናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተነግረቶ ቦታ ይሕልዋ ነበረ። ኤልሳዕ ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነበረ እሞ፥ ኣብኡ ርእሱ ኣድሓነ።
11ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዙይ ተሸበረ፤ ነቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ ኸዓ “ካባናስ ምስ ንጉስ እስራኤል ርክብ ዘለዎ መን ከም ዝኾነዶ ኣይትነግሩንን?” በሎም።
12ሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ! ከምኡ ኣይኮነን፤ ግና ኤልሳዕ፥ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነቢይ፥ እቲ ኣብ መደቀሲኻ ኾይንካ ዝተዛረብካዮ ዘረባ እኳ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ” በሎ።
13ንጉስ ሶርያ ድማ “ልኢኸ ኸምፅኦስ፥ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ረአዩ” በለ። ንሳቶም ከዓ “ኣብ ዶታይን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 14ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፤ ብለይቲ መፂኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
15እቲ ሓሽከር ኤልሳዕ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ወፀ ኸዓ፥ እንሆ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ነበሩ። ሽዑ ንኤልሳዕ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በሎ።
16ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ።
17ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።
18እቶም ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ኣቢሎም ምስ ወረዱ ኸዓ ኤልሳዕ “እልምነካ ኣለኹ፤ ነዚ ህዝቢ እዙይ ኣዕውሮ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳዕ ድማ ኣዕወሮ።
19ሽዑ ኤልሳዕ “መንገዲ ተጋጊኹም፥ እታ ኸተማ ኸዓ እዚኣ ኣይኮነትን። ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምስ ደድሕረይ ሰዓቡ” በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ መርሖም።
20ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኤልሳዕ “ኦ እግዚኣብሄር! ምእንቲ ኽሪኡስ ኣዒንቶም ክፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረአዩ።
21ንጉስ እስራኤል ምስ ረአዮም ከዓ ንኤልሳዕ “ኣቦይ! ክቐትሎምዶ? ክቐትሎምዶ?” ኢሉ ጠየቖ።
22ንሱ ድማ “ኣይትቕተሎም፥ ነቲ ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮ ሰብ እኳ ዘይትቐትሎ! እኳ ደኣ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ክምለሱስ እንጀራን ማይን ኣቕርበሎም” በሎ። 23ንሱ ኸዓ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ ኣፋነዎም። ናብ ጐይታኦም ከዓ ኸዱ። ድሕሪኡ ሰራዊት ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ሓደጋ ኸውድቑ ኣይመፁን።
ብጥሜት ኣብ ዝተኸበበት ሰማርያ
24ድሕሪዙይ፥ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ እሞ፥ ንሰማርያ ኸበባ። 25ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ። እንሆ ድማ፥ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ቕርሺ ብሩር፥ ኵስሒ ርግቢ #6፡25 “ሽጉርቲ ዝብኢ” ወይ ንኡኡ ዝመስል “ቋርፍ” እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። ኸዓ ብሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ክሳዕ ዝሽየጥ፥ ከበብዋ።
26እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ “ጐይታይ ንጉስ! ርድአኒ” በለቶ።
27ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር ዘይረድአክስ፥ ኣነ ደኣ ኻብ ምንታይ ክረድአኪ? ካብ ዓውዲ ድዩ ወይ ካብ መፅመቊ” በላ። 28መሊሱ ኸዓ “እንታይከ ዄንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ‘ንወድኺ ሎሚ ኽንበልዖ ኣምፅእዮ፤ ንወደይ ከዓ ፅባሕ ክንበልዖ ኢና’ በለትኒ። 29ሽዑ ንወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ‘ወድኺ ሃቢ፥ ክንበልዖ’ በልክዋ። ንሳ ግና ንወዳ ሓብአቶ” በለት። #ዘዳ. 28፡57፥ ሰቆ. 4፡10።
30እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ፥ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ወጮ ኸም ዝነበሮ እቲ ህዝቢ ረአየ። 31ንሱ ድማ “ርእሲ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ሓዲራ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ይግበረኒ ኸምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።
32ኤልሳዕ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፤ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከዓ ቐቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ እንተይበፅሐ እንተሎ፥ ኤልሳዕ ነቶም ዓበይቲ “እዝ ወዲ ቐታሊ ሰብ፥ ርእሰይ ክቘርፅ ሰብ ከም ዝለኣኸዶ ትሪኡ ኣለኹም? እቲ ልኡኽ ምስ መፀ፥ ከም ዘይኣቱ ጌርኩም ነቲ ማዕፆ ሸጕርዎ። ደድሕሪኡ ኸዓ እንሆ እቲ ንጉስ ይመፅእ ኣሎ” በሎም።
33ኤልሳዕ ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ፥ እንሆ እቲ ልኡኽ መፀ። “እዝ መከራ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር ዝፅበየሉስ እንታይ ኣለኒ?” ኢሉ ተዛረቦም።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in