YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 4

4
ዘይቲ ናይ ሓንቲ መበለት
1ሰብኣያ ኻብ ማሕበር ነቢያት ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳዕ መፂኣ “ሓሽከርካ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፤ ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕዚ ግና በዓል ዕዳ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም እንሆ መፂኡ ኣሎ” ኢላ ጠርዐት።
2ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ።
3ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ። 4ምስ ደቅኺ ናብ ገዛኺ እተዊ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ሸጕርዮ፤ ነቲ ዘይቲ ኸዓ ናብ ኵሉ እቲ ዓታሩ ገልብጥዮ፤ ዘዝመልአ ኸዓ ድሕር ኣብልዮ” በላ።
5ንሳ ድማ ኻብኡ ኸደት እሞ፥ ገዛ ኣትያ ነቲ ማዕፆ ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ሸጐረቶ። እቶም ደቃ ድማ ዓታሩ የቕርቡላ ነበሩ፤ ንሳ ኸዓ ዘይቲ ትግልብጥ ነበረት። 6ኵሉ እቲ ዓታሩ ምስ መልአ ድማ ንወዳ “መሊስካ ኻልእ ዕትሮ ኣቕርበለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካልእ ዕትሮ የለን” በላ። እቲ ዘይቲ ኸዓ ቖመ።
7ሽዑ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፂኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ኪዲ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንኣኽን ንደቅኽን መናበሪኹም ይኹን” በላ።
ኤልሳዕ ንወዲ ሱናማዊት ካብ ሞት ከም ዘተስኦ
8ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብ ሱነም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ እንጀራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኵልሻዕ ብኣኣ ኽሓልፍ እንተሎ ድማ እንጀራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ። 9ንሰብኣያ ኸዓ “እዝ ዅልሻዕ በዙይ ዝሓልፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምዃኑ ፈሊጠ ኣለኹ። 10እምበኣር በይዛኻ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽተይ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ጠረጴዛን ወንበርን ቀዋሚ ቐንዲልን ንግበረሉ። ናባና እንትመፅእ ድማ ኣብኣ ክሓድር እዩ” በለቶ።
11ኤልሳዕ ከዓ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱነም መፀ፤ ናብታ ቤት ኣትዩ ድማ ኣብኣ ደቀሰ። 12ንግያዝ ሓሽከሩ ድማ “ነታ ሱናማዊት ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ኸዓ መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። 13ኤልሳዕ ከዓ ንሓሽከሩ “እንሆ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዘርአኽና ሓልዮት እንታይ ክገብረልኪ? ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊትዶ ዝጥየቕ ኣለኪ ክነግረልኪ? በላ” በሎ።
ንሳ ኸዓ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘለኹ” በለት።
14ኤልሳዕ ድማ ንግያዝ “እንታይ ደኣ እሞ ኽገብረላ እየ” ኢሉ ጠየቖ።
ግያዝ ከዓ “ውሉድ የብላን፤ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
15ኤልሳዕ ከዓ “ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ደው በለት። 16ንሱ ኸዓ “ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቝፊ ኢኺ” በላ።
ንሳ ድማ “ኣይፋልካን ጐይታይ! ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ንገረድካ ከይትሕስወኒ እልምነካ ኣለኹ” በለቶ። #ዘፍ. 18፡4።
17እታ ሰበይቲ ጠነሰት እሞ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ንዓመታኡ በታ ወርሓት እቲኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወዲ ወለደት።
18እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኡ ምስቶም ዓፃዶ እንተሎ ናብኡ ኸደ። 19ብድንገት ከዓ ነቦኡ “ርእሰይ፥ ርእሰይ” በሎ።
ኣቦኡ ድማ ንሓሽከሩ “ሓንጊርካ ናብ እኖኡ ውሰዶ” በሎ። 20ሓንጊሩ ኸዓ ናብ እኖኡ ወሰዶ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ሓቚፋቶ ፀንሐት እሞ ሽዑ ሞተ። 21ንሳ ኸዓ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ማዕፆውን ሸጒራቶ ወፀት።
22ንሰብኣያ ፀዊዓ ድማ “ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብጕያ በፂሐ ኽምለስስ፥ በይዛኻ፥ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልትናን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ” በለቶ።
23ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ።
24ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ። 25ተልዒላ ድማ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ እምባ ቀርሜሎስ ከደት።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፥ ንሓሽከሩ ንግያዝ፥ “እታ ሱናማዊት ሰበይቲ፥ እንሆ ትመፅእ ኣላ። 26በይዛኻ፥ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ‘ድሓን ዲኺ? ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ? እቲ ወድኺኸ ደሓንዶ ኣሎ?’ በላ” በሎ። ንሳ ድማ “ደሓን ኣለና” በለት።
27ናብቲ እምባ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ ምስ መፀት ከዓ፥ በእጋሩ ኣፅኒዓ ሓዘቶ። ግያዝ ድማ ክርሕቓ ቐረበ፤ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና “እግዚኣብሄር ካባይ ሰዊሩዎ፥ ኣይገለፀለይን እምበር፥ ነፍሳ ሓዚና እያ እሞ ሕደጋ ደኣ” በሎ።
28ንሳ ኸዓ “ወዲ ሃበኒ ኢለዶ ለሚነ ነይረ እየ? ኣነውን ኣይተታልለኒዶ ኣይበልኩኻን እየ” በለቶ።
29ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ።
30እኖ እቲ ቘልዓ ኸዓ ንኤልሳዕ “ምሳይ እንተ ዘይኬድካስ ሓዲገካ ኸም ዘይከይድ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለቶ። ኤልሳዕ ድማ ተሲኡ ደድሕሪኣ ሰዓበ።
31ግያዝ ከዓ ቐዲምዎም ሓሊፉ፥ ነታ በትሪ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፤ እቲ ቘልዓ ግና ድምፂ ወይ ምስማዕ ኣይነበሮን። ሽዑ ግያዝ ንኤልሳዕ ክራኸቦ ተመለሰ፤ “እቲ ቘልዓ ኣይተስአን” ኢሉ ኸዓ ነገሮ።
32ኤልሳዕ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፥ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ፀንሖ። 33ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ነቲ ማዕፆ ሸጐሮ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ። 34ደዪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ለጥ ኢሉ፥ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፥ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐውን ሰብነት እቲ ቘልዓ ሞቐ። 35ኤልሳዕ ድማ ኣብታ ቤት ሓደሻዕ ናብዙይ ሓደሻዕ ናብቱይ እናበለ ተዛወረ፤ መሊሱ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሸውዓተ ሻዕ ለጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለ። #1 ነገ. 17፡21።
36ሽዑ ኤልሳዕ ንግያዝ ፀዊዑ “ነታ ሱነማዊት ፀውዓያ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ፀውዓ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ “እንሆ ወድኺ” ኣልዒልኪ ውሰዲ በላ። 37ኣትያ ኸዓ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፤ ወዳ ኣልዒላ ድማ ወፀት።
ዝቐትል ምግቢ
38ኤልሳዕ ከዓ ናብ ጌልገላ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነቢያት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነቢያት ፀብሒ ኣፍልሐሎም” በሎ።
39ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ሓምሊ ኽሓምል ናብ በረኻ ወፀ፤ ሃረግ በረኻ ድማ ረኸበ፤ ካብኡ ኸዓ ቘፅሊ በረኻ ኣኪቡ ኽዳኑ መሊኡ ተመለሰ፤ ቀርዲዱ ከዓ ናብቲ ናይ ፀብሒ ቝራዕ ኣእተዎ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጡን። 40ምእንቲ ኽበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሐሎም። ካብቲ ፀብሒ ኽበልዑ እንተለዉ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዝ ቍራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ክበልዕዎ ኸዓ ኣይከኣሉን።
41ሽዑ ኤልሳዕ “ሕሩጭ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣብቲ ቝራዕ ኣእትዩ ድማ “ምእንቲ ኽበልዑ፥ ነቶም ህዝቢ ፅብሑሎም” በለ። ድሕሪቱይ ኣብቲ ቝራዕ ክፉእ ነገር ኣይተረኽበን።
42በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።
43እቲ ኣገልጋሊኡ ኸዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰባት ከቕርበሎም እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ግና “እግዚኣብሄር፥ ‘ክበልዑ እዮም፤ ከትርፉ ድማ እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ደኣ ሃቦም፤ ይብልዕዎ” በሎ። 44ሽዑ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረበሎም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ በሊዖም ኣትረፉ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in