1
2ይ ነገስት 4:2
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ።
Compare
Explore 2ይ ነገስት 4:2
2
2ይ ነገስት 4:1
ሰብኣያ ኻብ ማሕበር ነቢያት ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳዕ መፂኣ “ሓሽከርካ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፤ ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕዚ ግና በዓል ዕዳ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም እንሆ መፂኡ ኣሎ” ኢላ ጠርዐት።
Explore 2ይ ነገስት 4:1
3
2ይ ነገስት 4:3
ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ።
Explore 2ይ ነገስት 4:3
4
2ይ ነገስት 4:4
ምስ ደቅኺ ናብ ገዛኺ እተዊ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ሸጕርዮ፤ ነቲ ዘይቲ ኸዓ ናብ ኵሉ እቲ ዓታሩ ገልብጥዮ፤ ዘዝመልአ ኸዓ ድሕር ኣብልዮ” በላ።
Explore 2ይ ነገስት 4:4
5
2ይ ነገስት 4:6
ኵሉ እቲ ዓታሩ ምስ መልአ ድማ ንወዳ “መሊስካ ኻልእ ዕትሮ ኣቕርበለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካልእ ዕትሮ የለን” በላ። እቲ ዘይቲ ኸዓ ቖመ።
Explore 2ይ ነገስት 4:6
6
2ይ ነገስት 4:7
ሽዑ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፂኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ኪዲ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንኣኽን ንደቅኽን መናበሪኹም ይኹን” በላ።
Explore 2ይ ነገስት 4:7
7
2ይ ነገስት 4:5
ንሳ ድማ ኻብኡ ኸደት እሞ፥ ገዛ ኣትያ ነቲ ማዕፆ ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ሸጐረቶ። እቶም ደቃ ድማ ዓታሩ የቕርቡላ ነበሩ፤ ንሳ ኸዓ ዘይቲ ትግልብጥ ነበረት።
Explore 2ይ ነገስት 4:5
8
2ይ ነገስት 4:34
ደዪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ለጥ ኢሉ፥ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፥ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐውን ሰብነት እቲ ቘልዓ ሞቐ።
Explore 2ይ ነገስት 4:34
Home
Bible
Plans
Videos