YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 3

3
እስራኤልን ሞኣብን ከም ዝተዋግኡ
1ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዓመትውን ገዝአ። 2ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ይኹን እምበር ከም ኣክኣብ ኣቦኡን ከም ኤልዛቤል እኖኡን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልትታት ጣዖት በዓል ኣፍረሶ። 3ግና ኸምቲ ንጉስ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ንእስራኤል ናብ ጥፍኣት ዘስሓተሉ ሓጢኣት ጠበቐ እምበር ካብኡ ኣይረሓቐን።
4ሞሳ ንጉስ ሞኣብ በዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ጡበታትን ፀጕሪ ሚእቲ ሽሕ ማጓሉን ይግብረሉ ነበረ። 5ኣክኣብ ምስ ሞተ ግና ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ንጉስ እስራኤል ዓመፀ። 6በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ኢዮራም ካብ ሰማርያ ወፂኡ ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ኣኽተቶ። 7ናብ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸዓ “ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕለይ ዓሚፁ እዩ እሞ ኽንዋግኦስ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ሕራይ፥ ክኸይድ ኣነውን ከማኻ ድልዊ እየ፤ ህዝበይን ኣፍራሰይንውን ከም ህዝብኻን ከም ኣፍራስካን ድልዋት እዮም” በሎ።
8ኣስዒቡ ኸዓ “በየናይ መንገዲ ኢናኸ እንድይብ?” ኢሉ ጠየቖ። ንጉስ እስራኤል ኢዮራም ድማ “ብመንገዲ ምድረ በዳ ኤዶምያስ” ኢሉ መለሰሉ።
9ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ድማ ኸዱ፥ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተጕዓዙ ኸዓ፥ ንሰራዊቶምን ነተን እንስሳን ማይ ሰኣኑ።
10ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል “እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኽህበና ድዩ ናብዙይ ዝፀውዐና!” በለ።
11ኢዮሳፍጥ ግና “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቖስ፥ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ሓሻኽር ንጉስ እስራኤል “እቲ ናብ ኢድ ኤልያስ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ እባ ኣብዙይ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።
12ኢዮሳፍጥ ከዓ “ቃል እግዚኣብሄር ብሓቂ ብእኡ ይርከብ እዩ” በለ። ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ኮይኖም ድማ ናብ ኤልሳዕ ወረዱ።
13ንሱ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል “ንኣይን ንኣኻን እንታይ ዘራኽብ ኣለና? ንስኻስ ናብቶም ኣቦኻን እኖኻን ዝጥይቕዎም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኺድ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህበና እዩ ዝፀውዐና” በሎ።
14ኤልሳዕ ኸዓ “ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይሓፍርስ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል፥ ቈላሕ ኢለ እኳ ኣይምረአኹኻን ነይረ” በሎ። 15“ሕዚ ኸዓ ሓደ በዓል በገና ኣምፅኡለይ” በለ። እቲ በዓል በገና ኸዓ በገናኡ ምስ ቃነየ፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። 16ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዝ ንቑፅ ሩባ እዙይ ብዙሕ ጐዳጕዲ ዀዓቱ። 17እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንፋስ ኣይትሪኡን፤ ዝናምውን ኣይትሪኡን፤ እዝ ሩባ እዙይ ግና ማይ ክመልእ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምን ከብትኹምን ናይ ፅዕነት እንስሳኹምን ክትሰትዩ ኢኹም። 18እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፥ ንሞኣባውያንውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። 19ንዅለን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ንዅለን ፅቡቓት ከተማታትን ክተጥፍእወን ኢኹም። ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ከዓ ኽትቘርፁ፥ ኵሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም። ንዅሉ ዝፈሪ ግራትውን በእማን ክትመልእዎ ኢኹም።”
20ንፅባሒቱ ድማ ጊዜ ቝርባን ምስ በፅሐ፥ እንሆ፥ ማይ ብመንገዲ ኤዶምያስ ኣቢሉ መፀ፤ እታ ሃገር ከዓ ማይ መልአት።
21ኵሎም ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ክዋግእዎም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዑ፥ ኣፅዋር ክዓጥቕ ዝኽእል ዝኾነ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከቲቶም ኣብቲ ወሰን ቆሙ። 22ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ፀሓይ ድማ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንፀባረቐት፥ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንፅሮም ከም ደም ቀይሑ ረአይዎ። 23ሽዑ “እዙይ ደም እዩ፤ እቶም ነገስታት ብርግፅ ተዋጊኦም ንስንሳቶም ተቓቲሎም ኣለዉ፤ እምበኣር ሕዚ ንዑናይ ኬድና ንዝመት” ተበሃሃሉ።
24ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸዓ እቶም እስራኤላውያን ተሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፤ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ። 25ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ።
26ንጉስ ሞኣብ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ፥ ሸውዓተ ሚእቲ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰብኡት ወሰደ፤ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ #3፡26 ንጉስ ኤዶምያስ፦ ወይ “ኤዶምያስ” ክሓልፉ ድማ ፈተኑ ግና ኣይከኣሉን። 27ሽዑ ነቲ ኽንድኡ ዝነግስ በዅሪ ወዱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቦ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ቍጥዓ ኾነ እሞ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኦም ናብ ሃገሮም ተመለሱ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in