YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 22

22
ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 34፡1-2)
1 # ኤር. 3፡6። ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ። እኖኡ የዲዳ ጓል ዓዳያ እትበሃል በዓልቲ በሱሮት ነበረት። 2ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ብመንገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፤ ካብኡውን ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን።
መፅሓፍ ሕጊ ኸም ዝተረኽበ
(2 ዜና. 34፡8-28)
3ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብ ሻምናይ ወርሒ እቲ ንጉስ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ፥ ወዲ ኤዜልያስ ወዲ የሜሶላም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ለኣኾ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ 4“ናብቲ ሊቀ ካህናት ናብ ኬልቅያስ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ኣፍ ደገ ዝሕልዉ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ዝኣተወ ገንዘብ ክቘፅሮ ንገሮ። 5ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ይሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ቤት እግዚኣብሄር ዝፅግኑ፥ 6ፀረብትን ሃነፅትን ነደቕትን ይኽፈልዎም፤ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ከዓ ይኽፈልዎ። 7#2 ነገ. 12፡15። ግና ንሳቶም እሙናት ነበሩሞ፥ ስለ እቲ ኣብ ኢዶም ዝወሃብ ኣይቈፃፃርዎን ነበሩ።”
8ሊቀ ካህናት ኪልቂያ ኸዓ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መፅሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ኪልቂያ ድማ ነቲ መፅሓፍ ንሳፋን ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኣንበቦ። 9ሳፋን እቲ ፀሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እቶም ሓሻኽርካ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝተረኽበ ገንዘብ ወሲዶም ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ሂቦምዎም” ኢሉ ነቲ ንጉስ ነገሮ። 10እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
11እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ። 12እቲ ንጉስውን ንካህን ኬልቂያስን፥ ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን፥ ንዓክቦር ወዲ ሚካያን፥ ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከሩን ድማ፥ 13“ኣቦታትና ንቓላት እዝ መፅሓፍ እዙይ ከምቲ ዝእዝዞ ስለ ዘይገበሩ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዙይ ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጠይቕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
14ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን ኣኪቃምን ዓክቦርን ሳፋንን ዓሳያን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ፤ ንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ እትቕመጥ ነበረት፤ ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቁዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝኾነ ነገርዋ።
15ንሳ ኸዓ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦ 16ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ፥ እቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቦ፥ ንኢየሩሳሌምን ህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ። 17ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ። 18ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትጥይቑ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 19ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ። 20ስለዙይ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብሰላምውን ክትቅበር ኢኻ፤ ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌም ዘምፅኦ ዅሉ መከራ ድማ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።”
ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in