2ይ ነገስት 23
23
ኢዮስያስ ኣምልኾ ጣዖታት ከም ዘጥፍአ
(2 ዜና. 34፡3-7፥29-33)
1ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ናብኡ ኣከቦም። 2እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ካህናትን ነቢያትን ብምሉኡ ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ናይ ቃል ኪዳን መፅሓፍ ቃል ብምሉኡ ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም። 3ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ክኽተል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ። እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ኺዳን ክሕልውዎ ቃል ኪዳን ኣተዉ።
4እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስን ነቶም ትሕቲኡ ዝኾኑ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ነቲ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክኸውን ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከውፅእዎ ኣዘዞም፤ ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ኣብ ለሰ ቄድሮን ከዓ ኣቃፀሎ፤ ነቲ ሓሙዅሽቲውን ናብ ቤቴል ወሰዶ። 5ነቶም ነገስታት ይሁዳ፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኽዓጥኑ ዝመደብዎም ካህናትን፥ ነቶም ንጣዖት በዓልን ንፀሓይን ንወርሕን ንእኩብ ከዋኽብትን ንኻልኦት ሰራዊት ሰማይን ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናትን ድማ ኣወገዶም። 6#2 ነገ. 21፡3፥ 2 ዜና. 33፡3። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ለሰ ቄድሮን ኣውፂኡ ኣቃፀሎ፤ ኣድቂቑ ሓመድ ገበሮ፤ ኣብቲ ህዝቢ ዝቕበረሉ መቓብር ከዓ በተኖ። 7ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ሰዶማውያን ኣፍረሰን። እዙይ ኣንስቲ ኣብኣተን ኮይነን ንጣዖት ኣስታሮት ዝኸውን መጋረጃ ዝኣልማሉ ዝነበራ እዩ።
8ንጉስ ኢዮስያስ ንዅሎም ካህናት ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውፂኡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦም፤ ነቲ ንሳቶም ንጣዖት ዝዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸዓ ኻብ ገባዖን ጀሚሩ ኽሳዕ ቤርሳቤህ ኣርከሶ፤ ነቲ ደገታት፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኢያሱ መራሒ እታ ኸተማ ዝነበረ፥ ነቲ ብፀጋም ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ ጣዖትውን ኣፍረሶ። 9እዞም ኣብ በረኽቲ ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናት ግና፥ ምስ ኣሕዋቶም ካህናት ኮይኖም ደኣ መባዅዕቲ ዘይኣተዎ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፥ ናብቲ መሰውኢ ኸገልግሉ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣትዉን ነበሩ።
10ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ። #ኤር. 7፡31፥ 19፡1-6፥ 32፡35፥ ዘሌ. 18፡21። 11ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንኣምልኾ ፀሓይ ዝወፈይዎም፥ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅፅሪ ቤተ መቕደስ፥ ኣብታ ናታንሜሌክ ዝበሃል ስሉብ ዝነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣወገዶም። ነቲ ሰረገላታት ፀሓይውን ብሓዊ ኣቃፀሎ።
12 #
2 ነገ. 21፡5፥ 2 ዜና. 33፡5። እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ። 13#1 ነገ. 11፡7። ንጉስ ኢዮስያስ፥ ነቲ ብምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ ዀረብታ ጥፍኣት፥ ዝነበረ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ፥ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል፥ ነታ እተፀይፍ ኣስታሮት ጣዖት ሲዶናውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ካሞሽ ጣዖት ሞኣባውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሚልኮም ጣዖት ደቂ ኣሞን ሰሪሑሎም ዝነበረ ኣርከሶ። 14ነቲ ዓምድታት ኣእማን ሰባበሮ፤ ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኣፍረሶ፤ ነቲ ቦታኦም ከዓ ኣዕፅምቲ ሰብ መልኦ።
15ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ። #1 ነገ. 12፡33። 16ኢዮስያስ ከዓ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ኰረብታ ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕፅምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፥ ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ፤ ኣርከሶውን። #1 ነገ. 13፡2።
17 #
1 ነገ. 13፡30-32። ኢዮስያስ ድማ “እዝ ዝሪኦ ዘለኹ ሓወልቲ መቓብርከ እንታይ እዩ?” በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ “እዝ መቓብር እዙይ ናይቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ እሞ ብዛዕባ እዝ ኣብ ቤቴል ዝነበረ ዘፍረስካዮ መሰውኢ ዝተነበየ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ” በልዎ።
18ንሱ ድማ “ሕደጉ፥ ኣይትንክእዎ” በሎም። ስለዙይ ኣዕፅምቱ ኣይተነኽአን ኣዕፅምቲ ናይቲ ኻብ ሰማርያ ዝመፀ ነቢይውን ምስኡ ተረፈ።
19ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፥ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከቘጥዕዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኵለን በረኽቲ መስገዲታት ድማ ኢዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ኸምቲ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ ገበረን። 20ንዅሎም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣብ በረኽቲ ንጣዖት ዘገልግሉ ኻህናት ከዓ ኣብቲ መሰውኢታት ሓረዶም፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣዕፅምቲ እቶም ሰባት ኣቃፀለ። ካብኡ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
ኢዮስያስ ፋሲካ ኸም ዘብዓለ
(2 ዜና. 35፡1-19)
21እቲ ንጉስ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ከምቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋሲካ ግበሩ” ኢሉ ኣዘዞም። 22ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝመርሑሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸዓ፥ ብዅሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዙይ ዝበለ ፋሲካ ኣይተብዓለን። 23ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ እዝ በዓል እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተብዓለ።
ኢዮስያስ ዝገበሮ ኻልእ ምምሕያሽ
24ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ኻህን ኬልቅያስ ዝረኸቦ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ሕጊ ምእንቲ ኽፍፀም ኢሉ ነቶም ንመናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑ ንጠንቈልትን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኣማልኽትን ንጣዖታትን ንዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣቑሑን ኣወገዶ። 25ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ነፍሱን ብምሉእ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር ዝተመለሰ ንጉስ ኣይነበረን፤ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተስአን።
26ግና በቲ ምናሴ ዝገበሮ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ነዲዱ ነበረ፤ ሕዚ እውን እንተ ኾነ ኻብ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን። 27እግዚኣብሄር ድማ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፤ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ነዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልክዋ ቤትን ከዓ ኽድርብየን እየ” በለ።
መወዳእታ ዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ
(2 ዜና. 35፡20፥ 36፡1)
28እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
29ብዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ ፈርዖን ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ንንጉስ ኣሶር ክዋግኦ ናብ ሩባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኽከላኸሎ ወፀ፤ ኒካዑ ኸዓ ተዋግኦ እሞ ኣብ መጊዶ ቐተሎ። 30ሓሻኽሩ ድማ ብምዉቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብ መቓብሩ ኸዓ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንኢዮኣካዝ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፤ ክንዲ ኣቦኡ ኸዓ ኣንገስዎ።
ኢዮኣካዝ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 36፡2-4)
31ኢዮኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት። 32ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 33ንጉስ ኒካዑ ድማ ንኢዮኣዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ እትበሃል ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ። 34#ኤር. 22፡1-12። ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ። 35ኢዮኣቄም ከዓ ንኒካዑ ንጉስ ግብፂ ብሩርን ወርቅን ሃቦ። ከምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ገንዘብ ምእንቲ ኽህብ ግና ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ብፅሒቱ ኣኽፈሎ።
ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 36፡5-8)
36 #
ኤር. 22፡18-19፥ 26፡1-6፥ 35፡1-19። ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዘቢዳ እትበሃል ጓል ፈዳያ በዓልቲ ሩማ ነበረት። 37ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in