2ይ ነገስት 20
20
ንጉስ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ
(ኢሳ. 38፡1-8፥21-22፥ 2 ዜና. 32፡24-26)
1በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ።
2ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፦ 3ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
4ኢሳይያስውን ገና ናብቲ ኣደባባይ ማእኸላዊ ኸተማ እንተይበፅሐ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦ 5“ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። 6ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከዓ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ምእንታይን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ኢለ ኽከላኸለላ እየ’ ” በሎ።
7ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣምፂኦም ከዓ ኣብቲ ዝሓበጠ ቝስሉ ገበሩሉ እሞ፥ ሓወየ። 8ሕዝቅያስ ንኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ከም ዘሕውየንን፥ ኣነውን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብንከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” በሎ።
9ኢሳይያስ ድማ “እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝፍፅሞ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ምልክት እዙይ እዩ፦ እዝ ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይ ንድሕሪት ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ?” በለ።
10ሕዝቅያስ ከዓ “ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ክኸይድስ ቀሊል እዩ፤ ኣይፋሉን፥ እቲ ፅላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ” በለ።
11ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ ነቲ ፅላሎት ብናይ ኣካዝ ኣሰፋፍራ ሰዓት ፅላሎት በቲ ዝወረደሉ መንገዲ፥ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት መለሶ።
ካብ ባቢሎን ዝመፁ ልኡኻት
(ኢሳ. 39፡1-8)
12በቲ ጊዜ እቱይ መሮዳክ ወዲ መሮዳክባልዳን፥ ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ከም ዝሓመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፀ በረኸትን ናብ ሕዝቅያስ ሰደደሉ። 13ሕዝቅያስ ከዓ ደስ በሎ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መዛግብቱ ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ፅቡቕ ዘይትን፥ ኵሉ እቲ መሳርሒ ውግእን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ኾነ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።
14ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ካበይ መፂኦም? እንታይከ ኢሎምኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ካብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።
15ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስትኻኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኵሉ ኣብ ቤተ መንግስተይ ዘሎ ሪኦም እዮም፤ ኣብ መዛግብተይ ዘየርአኽዎም ነገር የለን” ኢሉ መለሰሉ።
16ኢሳይያስ ድማ ንሕዝቅያስ ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስማዕ፦ 17#2 ነገ. 24፡13፥ 2 ዜና. 36፡10። ‘እዝ ዅሉ ኣብ ቤትካ ዘሎ፥ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘደለብዎን፥ ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ሓደ ነገር እኳ ኣይተርፍን እዩ ይብል እግዚኣብሄር። 18#2 ነገ. 24፡14-15፥ ዳን. 1፡1-7። ካብቶም ካባኻ ዝወፁ ካብ እትወልዶም ደቅኻ ተማሪኾም፥ ክውሰዱ እዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ድማ ስሉባት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም’ ” በሎ።
19ሕዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ “ብዘመነይ ደኣ ሰላምን ህድኣትን ይኹን እምበር፥ ‘እዝ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ’ ” በሎ።
መወዳእታ መንግስቲ ሕዝቅያስ
(2 ዜና. 32፡32-33)
20እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
21ሕዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ምናሴ ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in