YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 19

19
ንጉስ ሕዝቅያስ ምስ ነቢይ ኢሳይያስ ከም ዝተማኸረ
(ኢሳ. 37፡1-7)
1ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳኑ ቐዲዱ፥ ወጮ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። 2ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤቱን ሳምናስ እቲ ፀሓፍን ነቶም ዓበይቲ ኻህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ለኣኾም። 3ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ “ንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መከራን ውርደትን እያ፤ ህፃናት ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን። 4ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ።
5እቶም ልኡኻት ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢሳይያስ መፁ፥ 6ኢሳይያስ ድማ ንጐይታኹም፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ ‘በቲ ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ክፀርፉኒ ዝሰማዕኻዮም ነገር ኣይትፍራሕ። 7እንሆ፥ ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ ክሰድድ እየ፤ ወረውን ክሰምዕ እዩ፤ ናብ ሃገሩ ድማ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ከም ዝወድቕ ኽገብሮ እየ በልዎ’ ” በሎም።
ሰናክሬም ንንጉስ ሕዝቅያስ ንኻልኣይ ጊዜ ኸም ዘፈራርሖ
(ኢሳ. 37፡8-20)
8ራፋስቂስ፥ ንጉስ ኣሶር ካብ ለኪስ ከም ዝረሓቐ ምስ ሰምዐ ተመለሰ፤ ኣብ ሊብና ኽዋጋእ እንተሎ ድማ ረኸቦ።
9ሰናክሬም ግና “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ፥ ክወግአካ ወፂኡ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ልኡኻት ሰደደ፦ 10“ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ ‘እዝ ንስኻ እትእመኖ ዘለኻ ኣምላኽካ “ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ” ኢሉ ኣየዐሹኻ። 11ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት እንታይ ከም ዝገበርወንን፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወንን እንሆ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ንስኻኸ እትድሕንዶ ይመስለካ? 12ኣቦታተይ ንህዝቢ ጐዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔድንን ኣጥፍእዎም፤ እቶም ኣማልክቲዶ ንኣህዛብ ኣድሒኖምዎም እዮም? 13ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ንጉስ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ?’ ”
ፀሎት ሕዝቅያስ
(ኢሳ. 37፡14-20)
14ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ ካብ ኢድ እቶም መልእኽተኛታት ተቐቢሉ ኣንበባ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ። 15#ዘፀ. 25፡22። ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካዮ። 16ኦ እግዚኣብሄር! ኣእዛንካ ኣዘምቢልካ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ረአ። ነቲ ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ቃል ሰናክሬም ከዓ ስማዕ።
17“ኦ እግዚኣብሄር! ነገስታት ኣሶር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶምን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ። 18ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕንፀይትን ካብ እምንን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም እምበር፥ ኣማልኽትስ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ድማ ኣጥፍእዎም። 19ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! ንልምነካ ኣለና፤ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ምእንቲ ኽፈልጣ፥ ካብ ኢድ ሰናክሬም ኣድሕነና።”
ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ዝለኣኻ መልእኽቲ
(ኢሳ. 37፡21-38)
20ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ነቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፥ ሰሚዐዮ ኣለኹ’ ” ይብል ኣሎ። 21እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ እዙይ እዩ፦
እታ ድንግል ጓል ፅዮን ነዓቐትካን ኣባጨወትልካን፥
እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ ኣባኻ ርእሳ ነቕነቐትልካ።
22ዝፀረፍካዮን ዘላገፅካሉን ንመን ኢኻ?
ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ፥
ኣዒንትኻ ንላዕሊ ቛሕ ዘበልካሉ፥
ናብ መን ኢኻ?
ናብቲ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
23ብልኡኻትካ ጌርካ ኸምዙይ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ፀረፍካ፦
ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ፥ ናብ ርእሲ እምባታት፥
ናብ ጫፍ ሊባኖስ ደየብኩ፤
ነቲ ነዋሕቲ ዝግባታቱን፥
ነቲ ሕሩይ ፅሕድታቱን ከዓ ቘረፅኩ፤
ናብቲ ዝረሓቐ መሕደሪኡ፥
ናብቲ ዱር ቀርሜሎስ ክኣቱ እየ።
24ኰዓትኩ ጋሻ ማይውን ሰተኹ፤
ነቲ ዝተገደበ ማይውን ብኸብዲ እግረይ ኣንቀፅክዎ ድማ በልካ።
25ነዙይ ካብ ጥንቲ ኣነ ኸም ዝገበርክዎ፤
ካብ ቀደም ዘመን ድማ ኣነ ኸም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕኻን ኢኻ?
ሕዚ ድማ ንዕሩዳት ከተማታት፥
ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ።
26ስለዙይ እቶም ዝነብርወን ሰባት ሓይሊ ሰኣኑ፤
ተሸበሩን ሓፈሩን፤
ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልምሉም በቝልን፥
ከምቲ እንተይሸወተ፥ ሕሞድያ ዝወቕዖ እኽልን ኮኑ።
27ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን፥
ኣባይ ዝተቘጣዕኻዮ ምቝጣዕን ፈሊጠ ኣለኹ።
28ቍጥዓኻን ትዕቢትካን ናብ እዝነይ በፂሑ እዩሞ፥
መቑለበይ ኣብ ኣፍንጫኻ፥
ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብር እየ፤
በታ ዝመፃእኻላ መንገዲ ድማ ኽመልሰካ እየ።
29ሽዑ ንሕዝቅያስ “ንኣኻ ግና እዙይ ምልክት ይኹንካ፤ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፥ ብኻልአይቲ ዓመት ከዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ኽትዘርኡን ክትዓፅዱን፥ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍረኡ ኽትበልዑን ኢኹም። 30እቶም ዘምለጡ ተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ክሰዱ፥ ኣብ ላዕሊ ኸዓ ኽፈርዩ እዮም። 31ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዘምለጡ ክወፁ እዮም፤ ነዙይ ከዓ ቕንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።”
32ስለዙይውን እግዚኣብሄር ስለ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል “ሰናክሬም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፤ ኣብኣ ድማ ፍላፃ ኣይውርውርን እዩ፥ ዋልታውን ኣይምክተላን እዩ፤ መደያይቦ ኸዓ ኣይኹምረላን እዩ። 33እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ እዩ እምበር፥ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ። 34ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንቲ ስመይን ምእንቲ እቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ” በሎ።
35በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ኸዓ፥ እንሆ ዅላቶም ሬሳታት ኮይኖም ፀንሑ። 36ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ተሲኡ ኸደ፤ ተመሊሱውን ኣብ ነነዌ ተቐመጠ።
37ሓደ መዓልቲ ሰናክሬም ኣብ ቤት ኣምልኹ ናሳራክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳን ብሰይፊ ቐተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሃደሙ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣስራዶን ነገሰ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in