1
2ይ ነገስት 20:5
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።
Compare
Explore 2ይ ነገስት 20:5
2
2ይ ነገስት 20:3
ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
Explore 2ይ ነገስት 20:3
3
2ይ ነገስት 20:1
በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ።
Explore 2ይ ነገስት 20:1
4
2ይ ነገስት 20:6
ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከዓ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ምእንታይን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ኢለ ኽከላኸለላ እየ’ ” በሎ።
Explore 2ይ ነገስት 20:6
Home
Bible
Plans
Videos