YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 2

2
ዕርገት ኤልያስ
1እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ። 2ኤልያስ ከዓ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ክኸይድ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ። ናብ ቤቴል ድማ ወረዱ።
3እቶም ኣብ ቤቴል ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ከዓ ናብ ኤልሳዕ መፂኦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ፈሊጥካ ኣለኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ድማ “እወ፥ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
4ኤልያስ ከዓ “ኣታ ኤልሳዕ፥ እግዚኣብሄር ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ብህያው እግዚኣብሄርን ብህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ፤ ናብ ኢያሪኮ ኸዓ በፅሑ።
5እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ከዓ “እወ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
6ኤልያስ ድማ “እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ክኸይድ ልኢኹኒ ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ፤” በለ፤ ክልቲኦም ከዓ ኸዱ።
7ሓምሳ ኻብ ደቂ ነቢያት ከዓ ከዱ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ድማ ኣብ መንፅሮም ደው በሉ። ኤልያስን ኤልሳዕን ከዓ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ደው በሉ። 8ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ።
9 # ዘዳ. 21፡17። ምስ ተሳገሩ፥ ኤልያስ ንኤልሳዕ “ገና ኻባኻ እንተይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “በይዛኻ፥ ናትካ መንፈስ ዕፅፊ ኾይኑ ኣባይ ክሓድር እልምነካ ኣለኹ” #2፡9 ዕፅፊ፦ “ኤልሳዕ፥ ከምቲ በዅሪ ወዲ ኻብ ኣቦኡ ብሕጊ ዝወርሶ ዕፅፊ ብፅሒት ክወሃቦ እዩ ዝልምን ዘሎ። ዘዳ. 21፡1-17።” በሎ።
10ንሱ ኸዓ “ከቢድ ነገር ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ እንተለኹ እንተ ርኢኻኒ፥ ክኾነልካ እዩ፤ እንተ ዘይርኢኻኒ ግና ኣይኾነልካን እዩ” በሎ።
11እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ። 12ኤልሳዕ ከዓ ነዙይ ሪኡ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን” ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ብድሕሪኡውን ኣይረአዮን። ነቲ ኽዳኑ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ተርተሮ። #2 ነገ. 13፡14።
13ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ኣልዒሉ ኸዓ፥ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። 14በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ገይሩ ድማ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ወቕዖ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስ፥ ኣበይ ኣሎ?” ድማ በለ። እቲ ማይ ከዓ ናብዙይን ናብቱይን ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ።
15እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ምስ ረአይዎ ድማ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ” በሉ። ክራኸብዎ መፂኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኢድ ነስኡሉ። 16ንሳቶም ድማ “እንሆ፥ ምስ ሓሻኽርካ ሓምሳ ብፁሓት ኣጓብዝ ኣለዉ እሞ፥ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ እምባ ወይ ኣብ ሓደ ዓሚቝ ቦታ ደርቢይዎ ኸይኸውንስ፥ በይዛኻ ኸይዶም ክደልይዎ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ንሱ ግና “ኣይትስደዱ” በሎም።
17ክሳዕ ዝሓፍር ግዲ ምስ በልዎ ግና፥ “ስደዱ” በሎም። ሰባት ሰደዱ፤ ሰለስተ መዓልቲ እውን ደለይዎ፤ ግና ኣይረኸብዎን። 18ንሱ ኣብ ኢያሪኮ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ናብኡ ተመለሱ። ኤልሳዕ ድማ “ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን?” በሎም።
ኤልሳዕ ዝለወጦን ዘጥዓዮን ማይ
19ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸዓ ንኤልሳዕ “ከምዝ ጐይታይ እትሪኣ ዘለኻ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ሰናይ እያ፤ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፤ እታ ምድሪ እውን ፍረ ኣይትህብን” በልዎ። #2፡19 ሓድሓደ መፃሕፍቲ “እቲ ማይ ሕማቕ ስለ ዝኾነ እታ ምድሪ ምህርቲ ኣይትህብን” ይብል።
20ንሱ ኸዓ “ሓድሽ ዕትሮ ጨው ጌርኩም ኣምፅኡለይ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣምፅኡሉ።
21ናብታ ዓይኒ ማይ ከደ፤ ነቲ ጨው ኣብኡ ደርቢዩ ድማ “እግዚኣብሄር ‘ኣነ ነዚ ማይ ኣጥዕየዮ እየ፤ ድሕሪ ደጊም ብእኡ ሞትን ምውራድ ጥንስን ኣይኸውንን እዩ’ ይብል ኣሎ” በለ። 22እቲ ማይ ከዓ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ካብ እታ መዓልቲ እቲኣ ጠዓየ።
ንኤልሳዕ ህፃናት ከም ዘላገፁሉ
23ካብኡውን ናብ ቤቴል ደየበ። ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ኣናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወፂኦም “ኣታ በራሕ፥ ደይብ፤ ኣታ በራሕ፥ ደይብ” እናበሉ ኣላገፁሉ። 24ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፤ ብስም እግዚኣብሄር ከዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወፂኦም፤ ካብኣቶም ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበሩ። 25ቀፂሉ ኸዓ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ከደ፤ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመለሰ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in